ምዕራፍ 20 — መስዋእትታት ኣብ መጀመርታ ዕዮ
GSAM 311.1“ነቶም ብመስዋእቲ ምሳይ ኪዳን ዝኣተዉ ቅዱሳነይ ናባይ ኣክቡለይ። ኣምላኽ ባዕሉ ፈራዲ እዩ እሞ፣ ሰማያት ጽድቁ ኪእውጁ እዮም።”1
GSAM 311.2ኣብ ናይ 3 ሰነ 1902 ክለሳን ኣዋጅን ከምዚ ነንብብ፦
GSAM 311.2“እቶም ሕጂ ናብዚ ዕዮ ዝኣትዉ፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታ ኣብ መጀመርታ ጾር ዕዮኡ ዘሰከሞም ሰባት ዘርኣይዎ ምኽሓድ ርእስን ርእስኻ መስዋእቲ ምግባርን፣ ብተዛማዲ ውሑድ እዮም ዝፈልጡ። ነቲ ዕዮ፣ ከምቲ ነቶም ናይ ቀደም ናይ ሓቂ ሰራሕተኛታት ዝልለዩሉ ዝነበሩ ትሕትናን ርእስኻ መስዋእቲ ምግባርን፣ ከቐጽልዎ ስለ ዘለዎም፣ ተመክሮ ቀደም ደጋጊምካ ኪንገሮም ይግባእ።”
GSAM 311.3ከምኡውን ኣብ ምስክርነታት ንቤተ ክርስቲያን፣ ጥራዝ 7፣ እዘን ቃላት እዚኣተን ኣለዋ፦
GSAM 311.3“ናብ መወዳእታ ታሪኽ እዛ ምድሪ ንቐርብ ኣሎና፤ እተፈላለዩ ጨናፍር ዕዮ ኣምላኽ ድማ፣ ክሳዕ ሕጂ ካብ እተራእየ ኣዝዩ ብዝበዝሕ ርእስኻ መስዋእቲ ምግባር ኪቕጽሉ ኣለዎም።”2
GSAM 311.4ሽማግለ ቤትስ ብ1846፣ ብዛዕባ ጕዳይ ሰንበት ናይ መጀመርታ መጽሓፉ ኺጽሕፍን ከሕትምን ኣብ ዝተለዓለሉ ዝነበረ ኩነታት ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ሽማግለ ጀይምስ ዋይት ብ1849፣ እዋናዊ ሓቂ ዝተባህለት ጋዜጣ ምሕታም ኪጅምር ከሎ ዝነበሮ ኣጸጋሚ ኩነታት እውን ተጠቒሱ ኣሎ።
GSAM 311ብዛዕባ ምኽፋት ሰማያት ዝተጻሕፈት ንእሽቶ መጽሓፍ
GSAM 311.5ኣብ ቀውዒ 1846፣ ኣብ ቶፕሰም፣ መይን፣ ንወይዘሮ ዋይት ገለ ፕላኔታት ዘርኣያ ራእይ ምስ ተዋህባ፣ ሽማግለ ቤትስ ብዛዕባ ምኽፋት ሰማያት ንእሽቶ መጽሓፍ ንምድላው እተጻሕፈ ጽሑፍ ኣዳለወ። ንምሕታማ ግና ድሉው ገንዘብ ብዙሕ የድሊ ነበረ። ነዚ ድሌት እዚ ንምምላእ፣ ኣብ ማሳቹሰትስ እትነብር ሓንቲ ሓፍቲ፣ ካብ ቍራጻት ጨርቂ ዝሰርሓቶ ሓድሽ ምንጻፍ ወዲኣ ገና ኣብ ባይታ ኣንጺፋቶ እኳ እንተ ነበረት፣ ኣልዒላ ሸጠቶ፤ እቲ እተረኽበ ገንዘብ ድማ ንሽማግለ ቤትስ ሃበቶ። በዚ ኸኣ ካልኣይ መጽሓፉ ኼሕትም ከኣለ።
GSAM 312ብዛዕባ ዕዮ ምሕታም ማሕተም ዝተጻሕፈት ንእሽቶ መጽሓፍ
GSAM 312.1ብ18 ሕዳር 1848፣ ኣብ ዶርቸስተር፣ ማሳቹሰትስ፣ ብዛዕባ ዕዮ ምሕታም ማሕተም ራእይ ምስ ተዋህበ፣ ሽማግለ ቤትስ ማሕተም ህያው ኣምላኽ እትብል ሳልሰይቲ ንእሽቶ መጽሓፍ ጸሓፈ። ኣብዚ እውን ንሕትመት ዝኸውን ገንዘብ ብዘይምንባሩ ጸገም ኣጋጠሞ። ሓንቲ መንእሰይ መበለት ነቲ ኩነታት ምስ ፈለጠት፣ ኣብ ገጠር ዝነበረታ ንእሽቶ ገዛ ሸይጣ፣ ፍርቂ እቲ ዝተቐበለቶ ገንዘብ ንሽማግለ ቤትስ ሃበቶ። ከምዚ ኢሉ እንደገና ናይ መጽሓፍ ሕትመት ክፍሊት ኪኸፍል ከኣለ።
GSAM 312ድሌታት ዕዮ ሕትመት
GSAM 312.2ኣብ 1851-52፣ ክለሳ ምጽኣትን ኣዋጅ ሰንበትን ኣብ ሳራቶጋ ስፕሪንግስ፣ ኒው ዮርክ፣ ትሕተም ነበረት። ኣብዚ ኣቶ ቶምፕሰን፣ ንሽማግለ ዋይትን ሰበይቱን ብነጻ መንበሪ ሃቦም፤ ብእተለቅሑ ኣቝሑ ገዛ ድማ እንደገና መነባብሮ ገዛ ኺጅምሩ ኸኣሉ።
GSAM 312.3ኣብዚ ግዜ እዚ፣ ኣመንቲ እዋናዊ ሓቂ ይበዝሑ ነበሩ፤ በዚ ዕቤት እዚ ድማ ሽማግለ ዋይትን ወይዘሮ ዋይትን ባዕሎም ኪዓዩ ኣድለየ። እዚ ምስ ዕዮ ኣርትዖት ተደሚሩ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ኣድለየ። ልክዕ ኣብቲ ግዜ እቲ፣ ካልኦት ኣብ ዕዮ ጽሑፍ ኪሕግዙ ኣብ ልቦም ተለዓዓሉ። ጐይታ ንእምነት ህዝቡ ብምምላስ ብኸመይ ከም ዝዓዪ፣ ኣብ ግዜ ድሌት ከኣ ሰራሕተኛታት ብኸመይ ከም ዘተንስእ ንምርኣይ፣ ናይ ሓንቲ ውፍይቲ ሓፍቲ፣ ኣብ ዌስት ዊልተን፣ ኒው ሃምፕሸር፣ እትነብር ወይዘሮ ረቤካ ስሚዝ፣ ተመክሮ ነቕርብ፦
GSAM 312.4እቲ ግዜ ምስ ሓለፈ፣ ወዳ ዩራያን ጓላ ኣኒ ኣር.ን ንመምህርነት ምእንቲ ኺዳለዉ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኺምሃሩ ብዙሕ ተመነዩ። እታ ኣደ፣ ደቃ ናብ ዓለም እናተሳሕቡ ከይከዱ ፈርሀት፤ ብሓቂ እውን ፍርሃታ ፈጺሙ መሰረት ዘይብሉ ኣይነበረን። እቶም ደቂ ድማ ነቲ እታ ኣደ ዘርኣየቶም ወላዲታዊ ፍቕሪ፣ ብፍቕሪ ይመልሱላ ነበሩ።
GSAM 313ዩራያ ስሚዝ ኣብ ኣካዳሚ ፊሊፕስ
GSAM 313.1እቲ ወዲ ካብ 1848 ክሳዕ 1851፣ ኣብ ኤክሲተር፣ ኒው ሃምፕሸር፣ ኣብ ዘሎ ኣካዳሚ ፊሊፕስ ተማህረ። ኣብኡ ነቶም ተማሃሮ፣ ናብ ኮለጅ ምስ ኣተዉ ብሓደ ዓመት ንቕድሚት ምእንቲ ኪኾኑ፣ ናይ ቀዳማይ ዓመት ትምህርቲ ኮለጅ ይምህርዎም ነበሩ። ነዚ ትምህርቲ እዚ ወድኦ። ብ1851፣ ኣብ ኮለጅ ንምምሃር ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ ሰርሐ፤ እቲ ኣስራሒኡ ግና ኣብ ንግዱ ስለ ዝኸሰረ፣ ገንዘቡ ሰኣነ። ስለዚ እቲ ንነዊሕ ግዜ ብሃረርታ ሒዝዎ ዝነበረ ናይ ኮለጅ ትምህርቲ መደብ ተረፈ።
GSAM 313ወይዘሪት ስሚዝ ኣብ ቤት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ
GSAM 313.2ዩራያ ኣብቲ ኣካዳሚ እናተማህረ ከሎ፣ ሓፍቱ ኣብ ቻርልስታውን፣ ማሳቹሰትስ፣ ኣብ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ትምሃር ነበረት። ኣብኡ ትምህርታ ኽትውድእ ቀሪባ ነበረት፤ ቀልጢፋ ኻብ ቤት ትምህርቲ ኽትወጽእ ስለ ዝነበራ ድማ፣ ንዓኣን ንሓዋን ኣብ ማውንት ቨርነን፣ ኒው ሃምፕሸር፣ ኣብ ዘሎ ኣካዳሚ፣ ንሰለስተ ዓመት፣ ኣብ ዓመት $1,000 ምስ ምግብን መንበርን እናተቐበሉ ኺምህሩ ዕድል ቀረበሎም።
GSAM 313.3ኣብዚ ግዜ እዚ ኣቢሉ፣ እታ ኣደ “እዋናዊ ሓቂ” ተቐበለት። ሕጂ ስለ ደቃ እትጽልዮ ጸሎት፣ እንተ ዝከኣልስ፣ ካብ ቀደም እኳ ዝያዳ ልባውን ርሱንን ነበረ። ሽማግለ ቤትስ ንዌስት ዊልተን በጽሐ፤ ወይዘሮ ስሚዝ ድማ ጕዳይ ደቃ ኣቕረበትሉ፣ ምምላሶም ናብ ኣምላኽ ከኣ ኣርእስቲ ጸሎት ኰነ። ሽማግለ ቤትስ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፣ ኣብ ሶመርቪል፣ ማሳቹሰትስ፣ ኣብ ገዛ ፖል ፎልሰም ኣኼባታት ኪገብር ይጽበ ነበረ። ወይዘሮ ስሚዝ ከኣ ንጓላ ኣብቲ ኣኼባ ኽትርከብ ዚዕድም ደብዳበ ኽትጽሕፈላ ነበራ። ኣብ መንጎ እዚ ግዜ እዚ፣ ሽማግለ ቤትስን እታ ኣደን፣ ኣምላኽ ናብቲ ኣኼባ ኽትከይድ ልባ ኼለዓዕሎ ኺጽልዩ ነበሮም።
GSAM 313ክልተ ዝተፈጸሙ ሕልምታት
GSAM 313.4ሽማግለ ቤትስ ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ክፍሊ ከቶ ኣትዩ ኣይፈልጥን ነበረ፤ ስለዚ ኣቀማምጣኡ ምንም ኣይፈልጥን ነበረ። ኣብታ ቅድሚ ኣኼባ ዝነበረት ለይቲ፣ ኣብቲ ክፍሊ ኸም ዘሎ፣ ካብታ ጥቓ ማዕጾ ዝነበረት መንበር ብዘይካ ድማ ኵሉ መናብር ከም ዝተታሕዘ ሓለመ። ከምኡውን ካብቲ ኺዛረበሉ ሓሲብዎ ዝነበረ ኣርእስቲ ለዊጡ፣ ብዛዕባ ጕዳይ መቕደስ ከም ዝተዛረበ ሓለመ። ቀዳማይ መዝሙር ዘሚሮም፣ ጸልዮም፣ ካልኣይ መዝሙር እውን ዘሚሮም፣ ንሱ መጽሓፍ ቅዱሱ ኸፊቱ፣ ኣብቲ ሰንጠረዥ ናብ ዝነበረ ስእሊ መቕደስ እናኣመልከተ፣ “ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን መዓልትታት፣ ሽዑ መቕደስ ኪነጽህ እዩ፣” እናኣንበበ ከሎ፣ ማዕጾ ኸም ዝተኸፍተ፣ ሓንቲ መንእሰይ ከኣ ኣትያ ኣብታ ጥራያ ዝነበረት መንበር ከም ዝተቐመጠት ሓለመ። እታ ሰብ ኣኒ ኣር. ስሚዝ ከም ዝነበረት፣ ብኡብኡ ኸኣ ተገዲሳ ነቲ ሓቂ ኸም ዝተቐበለቶ እውን ሓለመ።
GSAM 314.1ናይ ሽማግለ ቤትስ ኣኼባ ብሰንበት (ቀዳም) ነበረ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ትምህርቲ ስለ ዘይነበረ ድማ፣ ኣኒ፣ “ንኣደይ ጥራይ ምእንቲ ኸሐጕስ፣ ክኸይድ እየ” በለት። ኣብታ ቅድሚ እታ ሰንበት ዝነበረት ለይቲ፣ ከም ዝኸደትን ከም ዝደንጐየትን ሓለመት። ናብ ማዕጾ ምስ በጽሐት፣ ቀዳማይ መዝሙር ተዘሚሩ፣ ጸሎት ተጸልዩ፣ ካልኣይ መዝሙር ድማ ይውድኡ ኸም ዝነበሩ ሓለመት። ምስ ኣተወት፣ ካብታ ጥቓ ማዕጾ ዝነበረት ብዘይካ፣ ኵሉ መናብር ከም ዝተታሕዘ ረኣየት። ሓደ ነዊሕ፣ ግርማ ዘለዎ፣ ባህ ዜብል ተዛራባይ፣ ከቶ ርእያቶ ናብ ዘይትፈልጥ ሰንጠረዥ እናኣመልከተ፣ “ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን መዓልትታት፣ ሽዑ መቕደስ ኪነጽህ እዩ።” ኢሉ ይደግም ከም ዝነበረ ሓለመት። ዝበሎ ኣዝዩ ኸም ዘገደሳን ሓቂ ኸም ዝነበረን ሓለመት።
GSAM 314.2ናብቲ ኣኼባ ብእኹል ግዜ ተበገሰት፤ መገዲ ስለ ዝሰሓተት ግና፣ ካልኣይ መዝሙር ኪውዳእ ቀሪቡ ከሎ ጥራይ በጽሐት። ምስ ኣተወት፣ ኵሉ ልክዕ ከምቲ ብሕልሚ ዝረኣየቶ ነበረ፤ እቲ ኣብ ሕልማ ዝረኣየቶ ሰብኣይ ድማ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ነቲ ካብ ዳንኤል 8:14 ዝተወስደ ጥቕሲ ይደግም ነበረ። ብኡብኡ ኣብ ልባ ጽኑዕ እምነት ኣሕደረ።
GSAM 314.3ሽማግለ ቤትስ፣ ንሳ ብማዕጾ ኣትያ ክሳዕ እትቕመጥ፣ ነቲ ሕልሙ ኣይዘከሮን ነበረ። ብዛዕባ ካልእ ኣርእስቲ ኺዛረብ ተዳልዩ ነበረ፤ ሓሳቡ ግና ኣብ ጕዳይ መቕደስ ይዓርፍ ነበረ። ነቲ ጥቕሲ እናደገመ ኸሎ፣ ሕልሙ ብሃንደበት ኣብ ኣእምሮኡ ተመልሰ። ናብ ልቢ ሰማዕቱ ኺዛረብ ሓገዝ ንምርካብ ድማ ብስቕታ ጸለየ። ብዛዕባ ምሕላፍ እቲ ኣኒ እትፈልጦ ግዜ ብዓብዪ ናጽነት ገለጸ። ድሕሪኡ ሓቂ መልእኽቲ ሳልሳይ መልኣኽን ሰንበትን ኣቕረበ።
GSAM 315ኣኒ ስሚዝ ንሓቂ ትቕበል
GSAM 315.1ነቲ ኣኼባ ምስ ዓጸዎ፣ ናብ ኣኒ ቐሪቡ፣ “ንስኺ ጓል እታ ኣብ ዌስት ዊልተን እትነብር ሓፍቲ ስሚዝ ኢኺ እመስለኒ። ቅድሚ ሕጂ ከቶ ኣይረኣኹኽን፣ ገጽኪ ግና ዝፈልጦ ይመስለኒ። ትማሊ ለይቲ ኸም ዝረኣኹኺ ሓሊመ” በላ። ሽዑ ኣኒ ኸኣ ሕልማ ነገረት። ኣብታ ህሞት እቲኣ፣ ኣብኡ ሓቂ ሰንበት ተቐቢላ፣ ስምዒታታን ትምኒታታን ኵሎም ተለዊጦም ካብቲ ኣኼባ ወጸት።
GSAM 315.2ናብ ቤት ትምህርታ ተመሊሳ፣ ሳንዱቓ ጠርኒፋ፣ ናብ ገዛ ኸደት። ብዛዕባ እቲ ሽማግለ ዋይት ኣብ ሕትመት ዝነበሮ ጾርን ኣብ ስብከት ዝነበሮ ዕዮን ምስ ፈለጠት፣ ኣምላኽ ከይዳ ኣብ ዕዮ ቤት ጽሕፈቱ ኽትሕግዞ ኸም ዝጸውዓ ተሰምዓ። ኣብ ነሓሰ 1851፣ እታ ጋዜጣ ካብ ፓሪስ ናብ ሳራቶጋ ስፕሪንግስ፣ ኒው ዮርክ፣ ምስ ገዓዘት፣ ወይዘሪት ስሚዝ ከም ሓንቲ ካብቶም ሰራሕተኛታት ናብኡ ኸደት።
GSAM 315መስዋእትን ርእስኻ ምውፋይን
GSAM 315.3ኣብ ክለሳ፣ ጥራዝ 2፣ ቍጽሪ 7፣ ነቲ ትሑትን ትዕቢት ዘይብሉን ዕዮኣ ኽትብል ናይ ቀደም መደባታ ምስ ሓደገት፣ ስምዒታታ ዚገልጽ ብብርዓ ዝተጻሕፈ ሒደት መስመራት ኣሎ። ከምዚ ትብል፦
GSAM 315.3“እቲ ገንሸል ናብ ዚመርሓኒ ዘበለ ንምስዓብ፣ ኵሉ ኸም ዝሓደግኩ እኣምን። ምድሪ ፈጺማ ስሕበታ ኣጥፊኣ እያ። ሕጂ ተስፋታተይ፣ ሓጐሰይን ፍቕረይን፣ ኵሎም ኣብ ላዕሊ ኣብ ዘለዉ መለኮታዊ ነገራት ተኣኪቦም ኣለዉ። ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጠ ኻብኡ ኻብ ምምሃር ካልእ ቦታ ኣይደልን፤ ንሰማያዊ ኣቦይ ካብ ምግልጋል ካልእ ዕዮ ኣይደልን፤ ካብቲ ንዅሉ ኣእምሮ ዚሓልፍ ሰላም ኣምላኽ ካልእ ባህታ ኣይደልን።”
GSAM 315.4ሓፍቲ ኣኒ ኣብ ቤት ጽሕፈት፣ ናይ ሕትመት መአረምታ ብምንባብን ካልእ ዕዮ ብምዕያይን ዝገበረቶ ሓገዝ፣ ኣብ ግዜኡ ዝበጽሐ ነበረ። ንሰለስተ ዓመት፣ ምግብን ክዳንን ጥራይ እናተቐበለት፣ ብተኣማንነትን ብፍረን ዓየየት። ኣብ መወዳእታ እዚ ግዜ እዚ፣ ሕማም ዓባይ ሰዓል ግዳዩ ኺገብራ ሒዝዋ ነበረ። እዚ ነዊሕ ዚጸንሕን ቀታልን ሕማም እናኣሳቐያ ኸሎ፣ ገለ ጽቡቓት ግጥምታት ጸሓፈት። ካብ ኵሎም ዝጠዓመ፣ “መንበሪ ኣብዚ፣ መንበሪ ድማ ኣብ ሰማይ” ዚብል ነበረ። እቲ ቅድሚ ሞታ (26 ሓምለ 1855) ብሓንቲ መዓልቲ ዝተጻሕፈ መቕድሙ፣ ነቲ ኣብ ባህርያ ብዙሕ ዝማዕበለ ጽባቐ ቅንዕናን ትሕትናን ኣዝዩ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚገልጽ፣ ብምሉኡ ካብ ምቕራቡ ኽንቍጠብ ኣይከኣልናን፦
GSAM 316ኣብ ማእከል ጸገማት መነባብሮ ገዛ ምምራሕ
GSAM 316.3ኣብ ሚያዝያ 1852፣ ሽማግለ ዋይት ካብ ሳራቶጋ ስፕሪንግስ ናብ ሮቸስተር፣ ኒው ዮርክ፣ ገዓዘ። ኣብዛ ከተማ እዚኣ፣ ኣብ ቍጽሪ 124 ጐደና ማውንት ሆፕ፣ ንመጀመርታ ግዜ ብዝተዓደገ ኣቕሓ፣ ኣብ ክንዲ ብእተለቅሐ፣ መነባብሮ ገዛ ጀመሩ። እታ ጋዜጣ ብስሩዕ ምእንቲ ኽትሕተም፣ በዚ ድማ ሓቂ ናብ ኵሉ ኽዝርጋሕ፣ ንዕዮ ሕትመት ንምዕዋት ዝነበሮም ሃንቀውታ ኣዝዩ ስለ ዝነበረ፣ ካብ ብዙሕ ልሙድ ምቾት ህይወት ርእሶም ከልከሉ።
GSAM 316.4ኣብዚ ግዜ እዚ፣ መነባብሮ ገዛ ብኸመይ ከም ዝጀመሩ፣ ኣብታ ወይዘሮ ዋይት ብ16 ሚያዝያ 1852 ናብ ስድራ ኤስ. ሃውላንድ ዝጸሓፈታ ዝስዕብ ብሕታዊ ደብዳበ ኸተንብቡ ትኽእሉ፦
GSAM 316.5“ኣብዚ ኣብ ሮቸስተር ገና ንሰፍር ኣሎና። ብዓመት $175 ዝካረዩ ኣረጊት ገዛ ተኻሪና ኣሎና። መሕተሚትና ኣብቲ ገዛ ኣላ። እዚ እንተ ዘይነብር፣ ንቤት ጽሕፈት ዚኸውን ክፍሊ ብዓመት $50 ምኸፈልና ነይርና። ናባና ኣቲኹም ኣቝሑ ገዛና ኽትርእዩ እንተ ትኽእሉ፣ ምስ ረኣኹምዎ ምፍሽኽ ምበልኩም ኔርኩም። ክልተ ኣረጋውያን ዓራታት፣ ንነፍሲ ወከፈን ብ25 ሳንቲም ዓዲግና። በዓል ቤተይ፣ ክልተ እኳ ዘይመሳሰላ፣ ሽዱሽተ ኣረጋውያን መናብር ብሓደ ዶላር ዓዲጉ ኣምጽኣለይ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ፣ መቐመጢ ዘይብለን ኣርባዕተ ካልኦት ኣረጋውያን መናብር፣ ንዅለን ብ62 ሳንቲም ዓዲጉ ሃበኒ። እቲ ዕንጨይተን ጽኑዕ ነበረ፣ ኣነ ድማ ብረጒድ ጨርቂ መቐመጢ እገብረለን ኣሎኹ። ጠስሚ ኣዝዩ ኽቡር ስለ ዝዀነ ኣይንዕድጎን ኢና፤ ድንሽ እውን ክንዕድግ ዓቕሚ የብልናን። ኣብ ክንዲ ጠስሚ ዝበሰለ ስልሲ ፍረታት፣ ኣብ ክንዲ ድንሽ ከኣ ራፓ ንጥቀም። ናይ መጀመርታ ምግብና፣ ኣብ ልዕሊ ክልተ ጥራዮም በርሚላት ሓርጭ ኣብ ዘቐመጥናዮ መዕጸዊ ቦታ ሓዊ ዝነበረ ጣውላ ተመገብና። ዕዮ ኣምላኽ ኪስጕም እንተ ኸኣለ፣ ስእነት ክንጻወር ፍቓደኛታት ኢና። ናብዚ ቦታ እዚ ኣብ ምምጻእና ኢድ ጐይታ ኸም ዝነበረት ንኣምን። ንዕዮ ሰፊሕ መስክ ኣሎ፣ ሰራሕተኛታት ግና ውሑዳት እዮም። ዝሓለፈት ሰንበት ኣኼባና ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ። ጐይታ ብህላወኡ ኣሐደሰና።”
GSAM 317ልግሲ ኣመንቲ
GSAM 317.1ኣብታ ብ6 ግንቦት 1852፣ ኣብ ሮቸስተር ዝተሓትመት ናይ መጀመርታ ቍጽሪ ክለሳ፣ ሽማግለ ዋይት ብዛዕባ እቲ ካብ ሳራቶጋ ናብ ሮቸስተር ዝገበርዎ ምግዓዝ ከምዚ በለ፦
GSAM 317.2“ኣሕዋት ነታ ጋዜጣ ንምድጋፍ፣ ካብ ትጽቢትና ንላዕሊ ገንዘብ ኣዳልዮም እዮም። ካብ ሳራቶጋ ስፕሪንግስ ንምግዓዝን ኣብዛ ከተማ እዚኣ ጋዜጣ ምሕታም ንምጅማርን ብዙሕ ወጻኢታት እኳ እንተ ነበረና፣ ዕዳ ግና የብልናን።”
GSAM 317መስዋእቲ ሰራሕተኛታት
GSAM 317.3ኣብ ናይ 14 ጥቅምቲ፣ ቍጽሪ 12፣ ኣብ ዚርከብ ናይ ስራሕ ሓበሬታ ከምዚ ነንብብ፦
GSAM 317.3“ቤት ጽሕፈት ግና በዚ ምኽንያት እዚ ዕዳ የብሉን፦ ኣብቲ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሑ ኣሕዋት ቤልደንን ስቶዌልን፣ ካብ ምግቦም ቍሩብ ጥራይ ዝበልጽ እዮም ተቐቢሎም። ካልኦት ኣብቲ ዕዮ ዝተዋፈሩ እውን፣ ካብኣቶም ዚበልጽ ኣይተቐበሉን። እቶም፣ ብፍላይ ንሕና ኣብ ዘይነበርናሉ ግዜ፣ ኣብ ማእከል ሕማም፣ ክለሳን ኣዋጅን ንምሕታም ብትግሃት ዝዓየዩ፣ ንመነባብሮኦም እኹል ደገፍ ምእንቲ ኺረኽቡ፣ ነቲ ኣብ ኣታዊ ዘሎ ጕድለት ኣብ ምምላእ ምሕጋዝ፣ ንዅሎም ፈተውቲ እዋናዊ ሓቂ ብርግጽ ባህታ ኪኾነሎም እዩ።”
GSAM 317ኣብ ሮቸስተር፣ ኒው ዮርክ፣ ዝተወሰኹ ኣመንቲ
GSAM 317.4ኣብ ክረምቲ 1852፣ ዕዮ ሕትመት ኣብ ሮቸስተር ብግቡእ ምስ ተጀመረ፣ ሽማግለ ዋይትን ሰበይቱን ብፈረስን ሰረገላን ናይ ሰለስተ ወርሒ ጕዕዞ ገበሩ። ናብ ምብራቕ ክሳዕ ባንጎር፣ መይን፣ በጽሑ፤ ኣብ መገዲ ኣኼባታት እናገበሩን ኣብ እተፈላለየ ቦታ ፋሕ ኢሎም ንዝነበሩ ሓለውቲ ሰንበት እናበጽሑን ከዱ። ቅድሚ ምምላሶም፣ ካብ 26 መስከረም ጀሚሩ፣ ሽማግለ ጄ. ኤን. ኣንድሪውስ ኣብ ቍጽሪ 124 ጐደና ማውንት ሆፕ፣ ተኸታታሊ ስብከታት ኣቕረበ። ኣብዚ ግዜ እዚ፣ ሸሞንተ ኣድቬንቲስታውያን ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፣ እዋናዊ ሓቂ ተቐበሉ፤ እዚ ጸሓፊ እዚ ድማ ሓደ ኻባታቶም ነበረ።
GSAM 318ኦስዋልድ ስቶዌል ተፈወሰ
GSAM 318.1ኣብ ጥቅምቲ፣ ሓደ ዓርቢ ምሸት፣ ሽማግለ ዋይትን ሰበይቱን ካብቲ ናብ ምብራቕ ዝገበርዎ ጕዕዞ ናብ ገዛ ተመልሱ። ንጽባሒቱ (ሰንበት)፣ ኣብ ኣኼባ ሰንበት ንመጀመርታ ግዜ ረኣናዮም። ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረሉ ግዜ፣ እቲ መሕተሚት ዜሰርሕ ኦስዋልድ ስቶዌል፣ ብኣዝዩ ከቢድ ረኽሲ መሸፈኒ ሳንቡእ ይሳቐ ነበረ። ሓኪሙ ድማ ሞቱ ይጽበ ነበረ፤ “ምንም ክገብረሉ ኣይክእልን እየ” በለ። ኣብ ግዜ ኣምልኾ፣ ኦስዋልድ ኣብ ጐረቤት ክፍሊ፣ ብብርቱዕ ቃንዛ ሰብነት ይሳቐ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ኣኼባ፣ ጸሎት ኪግበረሉ ለኣኸ። ኣነ ምስ ካልኦት፣ ንገለ ግዜ ኣብ ጸሎት ክሳተፍ ተዓደምኩ። ኣብ ጥቓ ዓራቱ ተንበርከኽና፤ ጸሎት እናቐረበ ኸሎ ድማ፣ ሽማግለ ዋይት “ብስም ጐይታ” ዘይቲ ቐብኦ። ዚስማዕ ህላወ መንፈስ ኣምላኽ ነበረ፣ ንሱ ድማ ብኡብኡ ተፈወሰ። ካብ ጸሎት ምስ ተንሳእና፣ ኣብ ዓራቱ ቀኒዑ ተቐሚጡ፣ ነቲ ቅድሚኡ ኣዝዩ ዜቐንዝዎ ዝነበረ ጐድኑ እናወቕዐ፣ “ፈጺመ ተፈዊሰ እየ። ጽባሕ ነታ ብኢድ እትሰርሕ መሕተሚት ከስርሓ ክኽእል እየ” ይብል ነበረ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብሓቂ ኣስርሓ።
GSAM 318ወይዘሮ ዋይት ኣብ ቅድሚ ጕጅለ ሮቸስተር ዝረኣየቶ ራእይ
GSAM 318.2እቲ ንሓው ስቶዌል ዝፈወሰ በረኸት፣ ኣብ ልዕሊ ወይዘሮ ዋይት ብዝዓበየ መጠን ወረደ። ሽማግለ ዋይት ናብኣ ገጹ ተመሊሱ ምስ ጠመተ፣ “ኤለን ኣብ ራእይ ኣላ፤ ኣብዚ ኩነታት እዚ ኸላ ኣይተስተንፍስን እያ። ገሌኹም ነዚ ሓቂ እዚ ባዕልኹም ከተረጋግጹ እንተ ደሊኹም፣ ክትምርምርዋ ናጽነት ኣሎኩም” በለ። ከምዚ ኢላ ኣብ ራእይ ንሓደ ሰዓትን ዕስራ ደቒቕን ዚኣክል ጸንሐት። ኣብቲ ኩነታት እቲ ኸላ፣ ቃላትን ሓድሓደ ግዜ ድማ ንጹራት ሓረጋትን ትዛረብ ነበረት፤ ብኣዝዩ ጥንቁቕ ምርመራ እኳ ግና፣ ኣብ ሰብነታ እስትንፋስ ኪልለ ኣይተኻእለን።
GSAM 319ብዛዕባ ኣካይዳ ሓደ ዘይነበረ ኣባል ዝተዋህበ ራእይ
GSAM 319.1ወይዘሮ ዋይት ካብዚ ራእይ እዚ ምስ ወጸት፣ ብዛዕባ እቲ ዝረኣየቶ መስከረት። ሽማግለ ዋይትን ሰበይቱን ካብቲ ናይ ምብራቕ ጕዕዞኦም ቅድሚ ምምላሶም፣ ሓደ ኻባና ካብታ ከተማ ወጺኡ፣ ብጕዳይ ንግዲ ኣብ ግዝኣት ሚሺጋን ይጐዓዝ ነበረ። ስለዚ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ኣይነበረን፣ ንሽማግለ ዋይት ወይ ንሰበይቱ ድማ ከቶ ርእይዎም ኣይፈልጥን ነበረ። ወይዘሮ ዋይት ራእያ ኽትነግር ከላ፣ ካብ ካልእ ነገራት ሓሊፋ፣ ብዛዕባ ሓደ ኻብ ገዛኡ ርሒቑ እናተጐዓዘ ኸሎ፣ ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽን ሰንበትን ብዙሕ ዚዛረብ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ግና ሓደ ኻብቶም ትእዛዛት ዚጥሕስ ሰብኣይ ዝረኣየቶ ነገረትና። ከቶ ዘይተራኸበቶ ሰብ ከም ዝዀነ፣ ጕዳዩ ስለ ዝተገልጸላ ግና፣ ሓደ ግዜ ኽትርእዮ ኸም እትኣምን በለት። ይኹን እምበር፣ ሓደ እኳ ኻባና፣ ንሱ ኻብቶም እንፈልጦም ሰባት ሓደ ኪኸውን እዩ ኢሉ ኣይሓሰበን።
GSAM 319.2ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ራእይ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙን ዚኣክል፣ እቲ ቅድም ዝተጠቕሰ ሓው ካብ ሚሺጋን ተመልሰ። ወይዘሮ ዋይት ገጹ ምስ ረኣየት፣ ብኡብኡ ንሓንቲ ኻብተን ኣሓት፣ “እዚ እዩ እቲ ኣብ ራእይ ዝረኣኹዎ፣ ብዛዕባኡ ድማ ዝነገርኩኽን ሰብኣይ” በለታ። ነዚ ሓው እዚ፣ ኣብ ቅድሚ ሰበይቱን ገለ ካልኦት ሰባትን፣ እቲ ራእይ ኪንገሮ ኸሎ፣ ወይዘሮ ዋይት፣ “ከምቲ ናታን ንዳዊት፣ ‘እቲ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ’ ዝበሎ” በለቶ። ሽዑ፣ ገለ ሰባት ብውህበት ትንቢት ብዛዕባ ሓጢኣቶም ምስ ዚግሰጹ ኪገብርዎ እዮም ኢሉ ጳውሎስ ዝበሎ፣ ልክዕ ንሱ ገበረ፦ “ኵላትኩም ትንበዩ እንተ ዄንኩም ግና፣ ዘይኣምን ወይስ ዘይተማህረ ሰብ እንተ ኣተወ፣ ብዅላትኩም ይውቀስ፣ ብዅላትኩም ድማ ይፍረድ። ከምዚ ድማ ምስጢር ልቡ ይግለጽ፤ ብገጹ ተደፊኡ ኸኣ ንኣምላኽ ኪሰግድ፣ ኣምላኽ ብሓቂ ኣባኻትኩም ከም ዘሎ ድማ ኪእውጅ እዩ።”3 እዚ ሓው እዚ፣ ወይዘሮ ዋይት ነቲ ዝገበሮ ክፉእ እናዘርዘረት ምስ ሰምዐ፣ ኣብ ቅድሚ ሰበይቱ ተንበርኪኹ፣ ብንብዓት ንዓኣን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሒደት ሰባትን፣ “ኣምላኽ ብሓቂ ምሳኻትኩም ኣሎ፣” በሎም። ቀጺሉ ኸኣ፣ ኣብ ሚሺጋን ከሎ ሻብዓይ ትእዛዝ ብምጥሓስ ዝገበሮ ኵሉ ኣካይዳ ተናዘዘ፤ እዚ ነገር እዚ፣ ኣብ ዝተፈጸመሉ ግዜ፣ ካብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ማይል ርሕቀት እዩ ተገሊጹ ነይሩ።
GSAM 320.1በዚ ኸምዚ፣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት፣ ስለ ምስክርነታት ጽኑዕ መረጋገጺ ረኸብና። ብሓደ ልዕሊ ባህርያዊ ሓይሊ ኸም ዝተዋህቡ ጥራይ ኣይኰንናን ክንብል ተመሪሕና፤ ካብቲ ንሰባት ብዛዕባ ሓጢኣቶም ብንጹር ቃላት ዚግስጽ ምንጪ ኸም ዝመጹ እውን ተረዳእና።
GSAM 320ዩራያ ስሚዝ ናብ ቤት ጽሕፈት ክለሳ ይጽንበር
GSAM 320.2ዩራያ ስሚዝ ሰንበት ምሕላው ዝጀመረን ናብ ቤት ጽሕፈት ክለሳ ዝተጸንበረን፣ ጥራዝ 3 ክለሳ ኣብ ዚሕተመሉ ዝነበረ ግዜ እዩ። ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ድማ ንብዙሕ ነዊሕ ዓመታት ጸሓፍን ኣርታዕን ነበረ። ኣብታ ጋዜጣ ዝተሓትመ ናይ መጀመርታ ጽሑፉ፣ “መጠንቀቕታ ድምጺ ግዜን ትንቢትን” ዚብል ግጥሚ ነበረ፤ ብ17 መጋቢት 1853 ኸኣ ወጸ።
GSAM 320.3ሽማግለ ስሚዝ፣ መልእኽቲ ሳልሳይ መልኣኽ ንመጀመርታ ግዜ፣ ካብ 10 ክሳዕ 12 መስከረም 1852፣ ኣብ ዋሺንግተን፣ ኒው ሃምፕሸር፣ ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ሰምዐ። ናብ ገዛኡ ናብ ዌስት ዊልተን ምስ ተመልሰ፣ ነቲ ዝሰምዖ ብጥንቃቐ ኣጽንዐ። ኣብ ቀዳመይቲ ሰንበት ታሕሳስ 1852 ድማ፣ ሻብዓይ መዓልቲ ምሕላው ጀመረ። ብ3 ግንቦት 1853፣ ኣብ ሮቸስተር፣ ኒው ዮርክ፣ ናብ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ክለሳ ተጸንበረ። ኣብኡ፣ ንሱን ሓፍቱ ኣኒን፣ ኣብ ኣካዳሚ ብዓመት $1,000 ምስ ምግቦም እናተቐበሉ ኣብ ክንዲ ዚምህሩ፣ ንምግቦምን ክዳኖምን ጥራይ ዓየዩ። ገለ ኻብቲ ዕዮ መልእኽቲ ሳልሳይ መልኣኽ ኣብ ቀዳሞት መዓልትታቱ ንምትካል ዝተኸፍለ መስዋእቲ፣ በዚ ዓይነት እዚ ነበረ።
GSAM 320ብምንባር ኢድ ዝተሾመ ኣገልጋሊ
GSAM 320.4ኣብ 1863 ኣቢሉ፣ ሽማግለ ስሚዝ ናይ ቅድሚ ህዝቢ ምዝራብ ውህበቱ ኺጥቀም ጀመረ። ብ1866፣ ኣገልጋሊ ወንጌል ኪኸውን ብምንባር ኢድ ተሾመ። ካብኡ ንደሓር፣ ካብ ኣትላንቲክ ክሳዕ ፓሲፊክ ኣብ ዘለዋ እተፈላለያ ግዝኣታት፣ ኣብ ኣኼባታት ኣብ ሰፈርን ጉባኤታትን ብዙሕ ዓየየ። ኣብታ ባዕሉ ኣባላ ዝነበረ፣ ቤተ ክርስቲያን ባትል ክሪክ እውን ናይ ጓሳ ኣገልግሎት ፈጸመ። ኮለጅ ባትል ክሪክ ምስ ተኸፍተ፣ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ትካል፣ በብግዜኡ ይምህር ነበረ። ንጕዳይ ክለሳን ኣዋጅን፣ ብ1894 ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ተሳጊሩ፣ እተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ በጽሐ። ኣብ ሶርያ ኸሎ፣ ረስኒ ሓዞ፤ ካብ ሳዕቤኑ ድማ ከቶ ፈጺሙ ኣይሓወየን።
GSAM 321ሓምሳ ዓመት ዘይሕለል ዕዮ
GSAM 321.1ካብ 1853 ክሳዕ 1903፣ ንፍርቂ ዘመን፣ ሽማግለ ስሚዝ ምስ ክለሳ ምጽኣትን ኣዋጅ ሰንበትን፣ ዳርጋ ብዘይ ምቍራጽ፣ ናይ ኣርትዖት ርክብ ነበሮ። ኣብ ዝበዝሕ እቲ ግዜ ድማ፣ ምሉእ ምምሕዳር ኣርትዖት እታ ጋዜጣ ኣብ ኢዱ ነበረ። ኣብታ ዝሞተላ መዓልቲ እኳ፣ ብድንገት ልምሰት ወቒዑ ኣብ ዘውደቖ ግዜ፣ ንሕትመት ዘዳለዎ ጽሑፍ ሒዙ ናብ ቤት ጽሕፈት ይኸይድ ነበረ። ንጽሑፋት እታ ሃይማኖታዊት ማሕበር እውን ሓያሎ ኣገደስቲ ጥራዛት ወሰኸ። ካብዘን ስራሓት እዚኣተን፣ ሓሳባት ብዛዕባ ዳንኤልን ራእይን፣ ባህርይን ዕጫን ሰብ፣ ብዛዕባ መቕደስን 2300 መዓልትታትን ዝተስፍሐ ጥራዝ፣ ድንቂ ኣህዛብ፣ ዘመናዊ እምነት ርክብ ምስ መናፍስቲ ይርከባ። እቲ ቀዳማይ ጥራዝ ዝበዝሕ ክፋሉ፣ ናይ መዓልቲ ዕዮ ኣርትዖትን ቤት ጽሕፈትን ምስ ተወድአ፣ ካብ ሰዓት 9 ምሸት ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ እዩ ተጻሒፉ።
GSAM 321ሞት ሽማግለ ስሚዝ
GSAM 321.2ህይወቱ ብጽቡቕ ዝሓለፈት ጠቓሚት ህይወት ነበረት። ብ6 መጋቢት 1903 ብየሱስ ዓሪፉ፣ ካብ ዕዮኡ ይዓርፍ ኣሎ። ብዛዕባኡ ግና፣ “ግብርታቱ ይስዕብዎ” ኪብሃል ብሓቂ ይከኣል፤ ሞይቱ እኳ እንተ ዀነ፣ ገና ይዛረብ ኣሎ።