ምዕራፍ 2 — ምግላጽ መደብ ድሕነት
GSAM 38.1«ዝደንጐየ ተስፋ ንልቢ የሕምሞ፤ ትምኒት ምስ ተፈጸመ ግና ኦም ህይወት እዩ።»1 «እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፦ ገና ሓንሳእ፣ ድሕሪ ቍሩብ ግዜ፣ ንሰማያትን ንምድርን ንባሕርን ንደረቕ መሬትን ከናውጾም እየ። ንዅሎም ኣህዛብ ከናውጾም እየ፣ እቲ ትምኒት ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ኪመጽእ እዩ፤ ነዛ ቤት እዚኣ ድማ ብኽብሪ ክመልኣ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።»2
GSAM 38.2ካብቲ ኣዳም ካብ ገነት ኤደንን ካብ ኦም ህይወትን ዝተሰጐጐሉ ግዜ ጀሚሩ፣ እተን ብዛዕባ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ንሰይጣን እተነግራ፣ «ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ» ዚብላ ቃላት፣ ድያብሎስ ኣብ መወዳእታ ከም ዚሰዓር፣ ተንኰላቱ ኸም ዚፈርስ፣ ናብ ኦም ህይወት ከኣ ምምላስ ከም ዚህሉ ተስፋ ሂበን እየን። በዚ ኸምዚ፣ እቲ ዚጽበይዎ ዝነበሩ፣ እቲ ተስፋ ዝተዋህበሉ ዘርኢ፣ «ትምኒት ኵሎም ኣህዛብ» ኰነ።
GSAM 38.3ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ካብ ሃጌ እተጠቕሰ ቃል፣ ምጽኣት እዚ ዚምነይዎ ዘለዉ ምስቲ ጐይታ ንሰማያትን ንምድርን ዜናውጸሉ ግዜ ከም ዚተሓሓዝ ይርአ። ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኪጽሕፍ ከሎ፣ እቲ ምንዋጽ ኣብ መጻኢ ኸም ዚኸውን ገሊጹ ከምዚ በለ፦ «ገና ሓንሳእ ንምድሪ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንሰማይ እውን ከናውጽ እየ። እቲ ‘ገና ሓንሳእ’ ዚብል ቃል ድማ፣ እቲ ዘይናወጽ ምእንቲ ኪጸንዕ፣ እቲ ዚናወጽ፣ ማለት እቲ እተፈጥረ፣ ከም ዚውገድ የመልክት። ስለዚ ዘይትናወጽ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንና፣ ብእኡ ጌርና ንኣምላኽ ብኣኽብሮትን ብፍርሃት ኣምላኽን ባህ ብዜብሎ መገዲ ከነገልግሎ ዜኽእለና ጸጋ ይሃልወና።»3 እዚ ብዛዕባ እቲ ገና ዚመጽእ ሓንሳእ ምንዋጽ ዚዛረብ ቃል፣ ምስቲ ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ፣ እቲ ተስፋ ዝተዋህበሉ ዘርኢ፣ «ትምኒት ኵሎም ኣህዛብ»፣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ እትቐውመሉ ግዜ ብቐረባ ዜተሓሕዞ ይመስል።
GSAM 39.1እቲ ብክርስቶስ ዚፍጸም ምሕዳስ፣ ኣብዚ ዳሕረዎት መዓልትታት፣ ኵሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቅድሚኦም ተኸፊቱ ዘለዎም ኵሎም ብንጹር ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ንጥንታውያን ግና ከምኡ ኣይነበረን። ቃል እግዚኣብሄር ናባታቶም፣ «ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፣ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፤ መስመር ኣብ ልዕሊ መስመር፣ መስመር ኣብ ልዕሊ መስመር፤ ኣብዚ ቕሩብ፣ ኣብቲ ድማ ቍሩብ» እናበለ መጸ።4 ስለዚ ምግላጽ መደብ ድሕነት ንኣታቶም፣ ከም መገዲ ጻድቃን፣ «ከምቲ ኽሳዕ ፍጹም መዓልቲ እናበርሀ ዚኸይድ ድሙቕ ብርሃን» ነበረ።5 እቲ መደብ ንጥንታዊ ህዝቡ በብቝሩብ ከመይ ከም እተገልጸ ብሓጺሩ ምክትታል እምበኣር ብዙሕ ተገዳስነት ዜለዓዕል እዩ።
GSAM 39እቲ ምድንጓይ ኣብ መጀመርታ ኣይተገልጸን
GSAM 39.2ጐይታ፣ እቲ ተስፋ ዝተዋህበሉ ዘርኢ ተስፋኦም ክሳዕ ዚፍጽም ኣማኢት ዓመታት ከም ዚሓልፍ ብምግላጽ፣ ተስፋኦም ብኡብኡ ኣየደንጐዮን፣ ንልቦም ድማ ኣየሕመሞን። ካብቲ እተመዝገበ ፍጻመታት፣ እቲ ቐዳማይ ዚውለድ ቈልዓ እቲ ዘርኢ ኸም ዚኸውን፣ ብቐረባ እውን ብሓደ መገዲ ኤደን ከም እትሕደስ፣ ንሳቶም ከኣ እንደገና ናብ ኦም ህይወት ኪቐርቡ ኸም ዚኽእሉ ኪሓስቡ ከም እተሓድጉ ንግምት። ቃየል ምስ ተወልደ፣ ሄዋን፣ «ካብ እግዚኣብሄር ሰብኣይ ረኺበ» ኢላ ኣውጽአት።6 ገለ ምሁራት ቋንቋ እብራይስጢ፣ እቲ ጽሑፍ ቃል ብቓሉን ብምሉኡን ኪትርጐም ከሎ፣ «ሰብኣይ፣ እግዚኣብሄር፣ ረኺበ» ከም ዚብል ይምስክሩ። ማለት፣ ነዚ ንሰይጣን ናይ ምስዓር ዕዮ ጐይታ ዚፍጽም ዘርኢ እንሆ። ኣቤል ምስ ተወልደ ሄዋን ከምዚ ዝበለ ቃል ከም እተዛረበት ዚገልጽ መዝገብ የልቦን። እቲ በዅሪ ነቲ ተስፋ ዚፍጽም እዩ ኢላ ክትሓስብ ትኽእል ነበረት፣ ከምኡ ምሕሳባ ድማ ባህርያዊ ነበረ። ባህርይ ቃየል እናተገልጸ ምስ ከደ፣ እቲ ኣብ መወዳእታ ናብ ምቕታል ሓዉ ዘብጽሖ እኩይ ኣካይድኡ ምስ ረኣየት፣ ተስፋኣ ክሳዕ ክንደይ ወዲቑ፣ እውን ሞይቱ ኪኸውን ኣለዎ! ኣቤል ቅድሚ ምቕታሉ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ምእንታኦም ዚቐርብ መስዋእቲ ገለ ብርሃንን ፍልጠትን ረኺቦም ኪዀኑ ኣለዎም፤ ኣቤል ካብ ኣምላኽ ብእተዋህቦ ትእዛዝ ገንሸሉ ንመስዋእቲ ኣምጽአ። ቃየል ግና፣ ከም ሓዉ ተማሂሩ እኳ እንተ ነበረ፣ ካብ ፍረ መሬት መስዋእቲ ኣምጽአ፣ እዚ ኸኣ ምስ መንፈስ ቍጥዓን ቅንእን እተሓወሰ ነበረ። መስዋእቲ ኣቤል «ብእምነት» ስለ እተቐርበ፣ ካብ መስዋእቲ ቃየል ይበልጽ ተቐባልነት ነበሮ፤ ጳውሎስ ከኣ ብዛዕባኡ፣ «ሞይቱ ኸሎ ገና ይዛረብ ኣሎ» ኢሉ ጸሓፈ።7
GSAM 40ሴት እቲ ዘርኢ ድዩ፧
GSAM 40.1ድሕሪ ሞት ኣቤል፣ ሴት ተወልደ፣ ተስፋ ድማ ተሓደሰ። ሄዋን፣ «ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ዘርኢ መዲቡለይ እዩ» በለት።8 ብድሕሪኡ ሴት ኣብ መስመር ወለዶ ኣዳም ተቘጽረ። (ዘፍጥረት 5:3 ርአ።) እቲ ናይ ሓቂ በዅሪ ዝነበረ ቃየል፣ ኣብቲ ሓረግ ወለዶ ኣይተቘጽረን። ሄዋን፣ ሕጂ ሴት እቲ ተስፋ ዝተዋህበሉ ዘርኢ እዩ ኢላ ሓሲባ ክትከውን ኣዝዩ ዚከኣል እዩ። ካብቲ መዝገብ፣ ሴት ድሕሪ ምውላዱ፣ ሰባት ንርእሶም ብስም እግዚኣብሄር ኪሰምዩ ኸም ዝጀመሩ ይርአ። (ኣብ ወሰን ገጽ ዘፍጥረት 4:26 ዘሎ ሓሳብ ርአ።) ምናልባት ሴት እቲ ናይ መወዳእታ ገዛኢ፣ ጐይታ፣ ኰይኑ፣ ነቲ ሰይጣን ብዓመጽ ዝወሰዶ ስልጣን ከፍርሶ እዩ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ ከምኡ ገይሮም ይዀኑ።
GSAM 40ተስፋ ኣብ ኖህ ተነብረ
GSAM 40.2ኣብቲ ካብ ግዜ ኣዳም ክሳዕ ልደት ኖህ ዘሎ ፍጻመታት ዚገልጽ ሓጺር መዝገብ፣ ብዘይካ ሓረግ ወለዶ ደቂ ሰብ ዚወሃብ ሓበሬታ ቍሩብ እዩ። ኖህ («ቅኑዕ»፣ ኣብ ወሰን ገጽ) ምስ ተወልደ፣ ተስፋ እንደገና በቘለ፣ እቶም ሰባት ከኣ፣ «እዚ፣ ብሰሪ እታ እግዚኣብሄር ዝረገማ መሬት፣ ካብ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኣእዳውናን ኬጸናንዓና እዩ» በሉ።9 እቲ መለኮታዊ ቃል፣ ከመይ ወይ በየናይ መገዲ ምጽንናዕ ይጽበዩ ከም ዝነበሩ ኣይገልጽን፤ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ መርገም ግና ብሓደ መገዲ ኪቃለል እዩ ዚብል ተስፋ ነበረ። እቲ ኣብ ዘመን ኖህ ዚህሉ ክፍኣት፣ ሰባት ንዓለም ብሓጢኣትን ብዓመጽን ክሳዕ ምምላእ ብምብጻሖም፣ ደቂ ሰብ ብማይ ኣይሂ ካብ ምድሪ ኸም ዚጸንቱ፣ ኖህን ስድራ ቤቱን ጥራይ ከኣ ካብቲ ጥፍኣት ከም ዜምልጡ፣ ንሱ ድማ ንሚእትን ዕስራን ዓመት ንዓለም ብዛዕባ እቲ ዚቐርብ ጥፍኣት ኬጠንቅቕ ከም ዘለዎ፣ እዚ ዅሉ ፍልጠት ካባታቶም ተሰዊሩ ነበረ።
GSAM 41ባቤል ተሃንጸት
GSAM 41.1ድሕሪ ማይ ኣይሂ፣ ሰባት ንምድሪ ኪመልእዋ ብኖህ ኣቢሎም ተኣዘዙ። እንተዀነ፣ ኪበዝሑ ምስ ጀመሩ፣ ነቲ ጐይታ ብእኡ ኪገዝኦም ዘዳለዎ መደብ ነጸግዎ። ኒምሮድ መንግስቲ ባቤል ኣቘመ፤ ብድሕሪኡ ባቢሎን ተባህለት፣ ካብ ምድራውያን መንግስታት ከኣ እታ ቐዳመይቲ ነበረት።10 ቍሩብ ጸኒሖም፣ እቶም ሰባት ንርእሶም ስም ምእንቲ ኺገብሩ፣ ኣብ ምድሪ ኸይብተኑ ድማ ምእንቲ ኺኽልክሉ፣ ግምቢ ባቤል ኪሃንጹ ጀመሩ። እዚ ግና ብቐጥታ ኣንጻር እቲ ጐይታ ብኖህ ኣቢሉ ዝመሃሮም ነበረ። ጐይታ ዕላማኡ ክሳዕ ዚፍጽም ብትዕግስቲ ኣብ ክንዲ ምጽባይ፣ ነቲ ጕዳይ ባዕላቶም ኪመርሕዎ ወሰኑ። ሽዑ ኣምላኽ ቋንቋኦም ኣደባለቐ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ተበተኑ።
GSAM 41ኣብርሃም ወራሲ ዓለም ኪኸውን እዩ
GSAM 41.2ነቲ ሓጺር መዝገብ ካብ ኖህ ክሳዕ ዓስራይ ወለዶ ምስ እንከታተሎ፣ ናብ ጽውዓ ኣብርሃም ንበጽሕ። ጐይታ ንእኡ ከምዚ በሎ፦ «ነዛ እትርእያ ዘለኻ ዅላ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህበካ እየ። ንዘርእኻ ኸኣ ከም ሓመድ ምድሪ ክገብሮ እየ፤ ሰብ ንሓመድ ምድሪ ኺቘጽሮ እንተ ኸኣለ፣ ዘርእኻ እውን ኪቝጸር እዩ። ክህበካ እየ እሞ፣ ተንስእ፣ ኣብታ ምድሪ ብንውሓታን ብግፍሓን ተመላለስ።»11 እዚ ኣብርሃም ነታ ምድሪ ኸም ዚወርስ ዚነግር ተስፋ እኳ እንተ ተዋህቦ፣ ጐይታ ኸም ዚመውት ኣረጋገጸሉ። ጳውሎስ፣ ንሱ ናብ «ድሕሪኡ ብርስቲ ኪቕበላ ዝነበሮ ቦታ» ከም ዝወጸ ይብል።12 ኣብርሃም «መሰረት ዘለዋ፣ ሃናጺኣን ገባሪኣን ኣምላኽ ዝዀነ ኸተማ ይጽበ ነበረ» እሞ፣ እዚ ብዛዕባ ምፍጻም እቲ ተስፋ ዚምልከት ጕዳይ ብራእይ ካብ ኣምላኽ ብንጹር ተገሊጹሉ ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን።13 ኣብ ሮሜ 4:13፣ እቲ ተስፋ «ወራሲ ዓለም ኪኸውን» ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ፤ ዓለም ኣብ ሕጂ ዘላቶ ኹነታት ከላ ዘይኰነስ፣ ዳግም ህያው ምስ ኰነ፣ ኣቐዲሙ ወይ ደንጕዩ ኪወርሳ እዩ።
GSAM 42.1ብኣረኣእያ ሰብ፣ ኣብርሃም እቲ ተስፋ ዝተዋህበሉ ዘርኢ ኸመይ ኢሉ ኻብ ርእሱ ኪውለድ ከም ዚኽእል ኪርኢ ኣይከኣለን። ስለዚ ነቲ መጋቢ ቤቱ ዝነበረ ኤልዔዘር፣ እቲ ዘርኢ ኪብሃል ሓሳብ ኣቕረበ። ጐይታ ግና፣ ከምኡ ኣይኰነን፣ እቲ «ካብ ከርስኻ ዚወጽእ» ኪኸውን እዩ በሎ። ሕጂ ጐይታ እቲ ናይ መወዳእታ ዕዮ ዘርኡ ብኡብኡ ኸም ዘይፍጸም ኪገልጸሉ ጀመረ። ንኣብርሃም፣ «ዘርእኻ ኣብ ዘይናቶም ሃገር ስደተኛታት ኪዀኑ፣ ንኣታቶም ከኣ ኬገልግሉ እዮም፤ ንኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ድማ ኬጨንቕዎም እዮም።... ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፤ ብጽቡቕ እርጋን ክትቅበር ኢኻ።» በሎ።14
GSAM 42.2ሰበይቲ ኣብርሃም ምፍጻም እቲ ተስፋ ንምቅልጣፍ ዘይጥበባዊ መደብ ኣቕረበት። እንተዀነ፣ ይስሃቅ፣ እቲ ናይ ሓቂ ወዲ ኣብርሃምን እታ ሕጋዊት ሰበይቱ ሳራን፣ ምስ ተወልደ፣ ጐይታ ብዛዕባ እስማኤልን ኣዲኡ ኣጋርን፣ «ነዛ ባርያን ንወዳን ስጐጎም» በለ።
GSAM 42.3ኣብርሃም፣ ንይስሃቅ ኣብ መሰውኢ ንመስዋእቲ ብምቕራብ እምነቱ ኺፍተን ከሎ፣ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ትምህርቲ ተማህረ። ብዛዕባኡ፣ «ኣምላኽ ካብ ምዉታት እኳ ኼተንስኦ [ንይስሃቅ] ከም ዚኽእል ቈጸረ፤ ካብኡ ድማ ብምሳሌ ተቐበሎ» ተባሂሉ ኣሎ።15
GSAM 42እቲ ናይ ሓቂ ዘርኢ
GSAM 42.4ኣብርሃም ኣብ ሓደ እዋን፣ እቲ ኵሎም ኣህዛብ ብእኡ ዚባረኹ ናይ ሓቂ ዘርኢ፣ ብስጋ ኻብ ወለዶኡ እኳ እንተ ዀነ፣ ብሓቂ ክርስቶስ ኣምላኽ ከም ዚኸውን ተመሃረ። ጐይታ ንእኡ ኸምዚ ኢሉ እዩ ተዛሪብዎ እሞ፦ «‘ኣዝርእቲ’፣ ከም ብዙሓት ኣይኰነን፤ ከም ሓደ ግና፣ ‘ንዘርእኻ ኸኣ’፣ ንሱ ድማ ክርስቶስ እዩ።»16 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ፣ «መጽሓፍ፣ ኣምላኽ ንኣህዛብ ብእምነት ከም ዜጽድቖም ኣቐዲሙ ስለ ዝረኣየ፣ ‘ብኣኻ ዅሎም ኣህዛብ ኪባረኹ እዮም’ ኢሉ፣ ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ወንጌል ሰበኸሉ» በለ።17 እቲ ንኣብርሃም እተዋህበ ተስፋ፣ ንይስሃቅን ንዘርኡን ተሓደሰሎም፣18 ንያእቆብ እውን ከምኡ ተሓደሰሉ።
GSAM 42.5ያእቆብ ዓሰርተው ክልተ ኣወዳት ስለ ዝነበርዎ፣ ሕጂ ባህርያዊ ዚኸውን ሕቶ፣ ሓረግ ወለዶ እቲ ናይ ሓቂ ዘርኢ ብኣየናዮም ኪሓልፍ እዩ፧ ዚብል ነበረ። ኣብቲ ያእቆብ ብዛዕባ ደቁ ብመንፈስ ኣምላኽ እተዛረቦ ምስክርነት፣ እቲ ጕዳይ ተወሰነ፦ «ሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእ፣ በትረ መንግስቲ ካብ ይሁዳ፣ ሓጋጊ ኸኣ ካብ መንጎ ኣእጋሩ ኣይኪርሕቕን እዩ፤ ናብኡ ድማ ህዝብታት ኪእከቡ እዮም።»19 እዚ ኸመይ ከም እተፈጸመ ንምርኣይ፣ እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ኣህዛብ እኳ እንተ ነበሩ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ሳንሄድሪን ኪህልዎም ከም እተፈቕደሎም ኣብዚ ምዝካር ጽቡቕ እዩ። ስለዚ ይሁዳ፣ እቲ ካብ ስም ይሁዳ ኸምኡ እተሰምየ ነገድ ኣይሁድ፣ ሺሎ (ክርስቶስ) ብሓቂ ኽሳዕ ዚመጽእ፣ ኣብ ምምሕዳሮም ገለ ድምጺ ነበሮ።
GSAM 43እቲ ግዜ ተሰዊሩ ነበረ
GSAM 43.1እቶም ኣበው፣ ብዛዕባ ምሕዳስን እቲ ተስፋ ዝተዋህበሉ ዘርእን ገለ ፍልጠት ነበሮም። መኣስ ወይ ክንደይ ግዜ ጸኒሑ ኸም ዚመጽእ ግና ገና ተሰዊርዎም ነበረ። ዘርኢ ያእቆብ ኣብ ግብጺ እናበዝሑ፣ እቲ ኣሶራዊ፣ ፈርኦን (ኢሳይያስ 52:4)፣ «ንዮሴፍ ዘይፈለጦ»፣20 እናጨቆኖም ምስ ከደ፣ ሓሳቦም ብባህርያዊ መገዲ ናብተን ንኣብርሃም እተጠቕሳ 400 (ብሓቂ 430) ዓመታት ተመልሰ። እተን ዓመታት ንጸበባኦምን ከም ስደተኛታት ኰይኖም ንምንባሮምን ዚሽፍና ግዜ ነበራ፤ ካብዚ ሓራ ምውጻእ ናብቲ ተስፋ እተዋህበሎም ርስቲ ኸም ዜእትዎም ድማ ተስፋ ገበሩ።
GSAM 43.2ሙሴ ምስ ተወልደ፣ ወለዱ፣ «ጽቡቕ ቈልዓ ኸም ዝነበረ» ረኣዩ።21 ንሱ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣምላኽ፣ ንእስራኤል ካብቲ ጨካን ባርነቶም ሓራ ዜውጽእ ከም ዚኸውን ብርሃን ተዋሂብዎም ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ፍልጠት እዚ ንሙሴ ተነጊርዎ ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ምኽንያቱ፣ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ኰይኑ፣ ወዲ ጓል ፈርኦንን ወራሲ ዝፋን ግብጽን ኣብ ክንዲ ዚብሃል፣ ምስቶም እተጨቈኑ እስራኤላውያን ኪኸይድን ምሳታቶም ጸበባ ኪጻወርን ብቘራጽነት ምስ ወሰነ፣22 ንህዝቡ ኪጣበቐሉ ምስ ጀመረን፣ ንኣታቶም ኪከላኸል ኢሉ ንሓደ ግብጻዊ ምስ ቀተለን፣ ንሳቶም ንዕዮኡ ዘይምልላዮም ኣዝዩ ኣገረሞ። «ኣምላኽ ብኢዱ ሓራ ኸም ዜውጽኦም፣ ኣሕዋቱ ኺርድእዎ እዮም ኢሉ ሓሲቡ ነበረ እሞ።»23
GSAM 44.1እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዚወጹሉ ግዜ ጐይታ ምስ በጽሐ፣ ወጹ፤ እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣቐዲሙ እተነግረ ግዜ፣ እታ መዓልቲ እኳ ኸይተረፈት፣ ተፈጸመ። ዘጸኣት 12:40, 41። ሙሴ ኻብ ነገድ ሌዊ ስለ ዝነበረ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ገዛኢኦምን እቲ ተስፋ ዝተዋህቦ ዘርእን እዩ ኢሎም ኪሓስቡ ኣይምኸኣሉን። ያእቆብ ከኣ በቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተዋህቦ ትንቢት፣ ሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእ፣ ይሁዳ ገዛኢኦም ኪኸውን ከም ዘለዎ ኣይኰነንዶ እተዛረበ፧
GSAM 44«ክርእዮ እየ፣ ግናኸ ሕጂ ኣይኰነን።»
GSAM 44.2እስራኤላውያን ናብ ከነኣን እናኸዱ ኸለዉ፣ ባላቅ፣ ንጉስ ሞኣብ (ካብ ዘርኢ ሎጥ)፣ ንእስራኤል ኪረግም ንበለዓም ጸውዖ። ጐይታ ግና ነቲ መርገሙ ናብ በረኸት ቀየሮ። ብእኡ ኸኣ፣ ናብ ከነኣን ምስ ኣተዉ ብኡብኡ ካብቲ ሰይጣን ብዓመጽ ዝወሰዶ ስልጣን ናይ መወዳእታ ሓርነት ኪረኽቡ እዮም ዚብል ሓሳብ ንምውጋድ ዚሕግዝ ተወሳኺ ብርሃን ረኸቡ። ብዛዕባ እዚ ዚዛረብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ በለዓም ብራእይ ካብ ኣምላኽ፣ «ክርእዮ እየ፣ ግናኸ ሕጂ ኣይኰነን፤ ክጥምቶ እየ፣ ግናኸ ብቐረባ ኣይኰነን። ካብ ያእቆብ ኰዀብ ኪወጽእ፣ ካብ እስራኤል ከኣ በትረ መንግስቲ ኪትንስእ እዩ፤ ንጽንፍታት ሞኣብ ኪወቅዕ፣ ንዅሎም ደቂ ሴት ድማ ኬጥፍእ እዩ» በለ።24
GSAM 44.3ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኻብ ኣብርሃም ዝወጸ ብዙሕ ዘርኢ ኸምዚ ይብል፦ «ስለዚ ኻብ ሓደ፣ ንሱ እውን ከም ዝሞተ ዝነበረ፣ ብብዝሖም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ፣ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ዘይቍጸር ሑጻ ዝበዝሑ ተወልዱ። እዚኣቶም ኵሎም ነቲ ተስፋታት ከይተቐበሉ፣ ካብ ርሑቕ ግና ርእዮምዎን ተኣማሚኖምሉን ሓቝፎምዎን፣ ኣብ ምድሪ ስደተኛታትን መጻእተኛታትን ከም ዝዀኑ ተኣሚኖም፣ ብእምነት ሞቱ።»25
GSAM 44.4በለዓም፣ ምፍጻም ተስፋኦም «ሕጂ ኣይኰነን»፣ «ቀረባ» እውን ኣይኰነን ኢሉ ብምትንባዩ፣ ልቢ እስራኤል ኪደክም ወይ ኪሕለል ኣየድለዮን ነበረ። ጐይታ፣ እዚ ትንቢት እዚ ቕድሚ ምዝራቡ ብዙሕ ከይጸንሐ፣ እቲ ኽቡር ኵነታት ኣብ መወዳእታ ኸም ዚመጽእ ብህይወቱ ምሒሉ ነበረ እሞ። ብሙሴ ኣቢሉ፣ «ግናኸ ኣነ ህያው ከም ዝዀንኩ ብርግጽ፣ ብዘላ ምድሪ ብኽብሪ እግዚኣብሄር ክትምላእ እያ» በለ።26 ድሕሪ 863 ዓመታት፣ ብዘመን ነብዪ ኣንባቆም፣ እዛ ሓቂ እዚኣ እንደገና ተደግመት፤ ግናኸ ገና ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ነገር ከም ዝዀነ ተነግረ፦ «ማያት ንባሕሪ ኸም ዚኸድንዎ፣ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትምላእ እያ እሞ።»27
GSAM 45ኣገልግሎት መቕደስ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣገልግሎት ምሳሌ እዩ
GSAM 45.1ጐይታ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ኣውጽኦ፣ እቲ ብግብረ ገብ ትእዛዛት ዝቘመ ሕጉ ብዘሎ እቲ ሰፈር እናሰምዐ ኣወጀ፤ ብናይ ገዛእ ርእሱ ኣጻብዕ ኣብ እምኒ ቐሪጹ ኸኣ ቅዳሑ ሃቦም። እቲ ኣብ መወዳእታ ምእንታኦም ንርእሱ መስዋእቲ ዚገብር መድሓኒ ወትሩ ምእንቲ ኪጥምቱ፣ ብሓይሊ ኽቡር ደሙ ኸኣ ሓጢኣቶም ኪነጽህ ምእንቲ፣ ኣብ በረኻ መቕደስ ኣተኸለ። ሙሴ ነዚ ማሕደር ወይ መቕደስ እዚ፣ ብዅሉ ህንጸቱ፣ ልክዕ ከምቲ ጐይታ ኣብ ከረን ዘርኣዮ ኣብነት ኪገብሮ ተኣዘዘ።28 እቲ ኣብዚ መቕደስ ዚግበር ኣገልግሎት፣ ናይቲ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ መቕደስ ዚገብሮ ናይ ሓቂ ኣገልግሎት ጽላሎት ነበረ።29 ዕላማ ኣምላኽ በቲ ኣብ መቕደስ ዚቐርብ ውህበታትን መስዋእትታትን፣ ናይቲ «ዚመጽእ ሰናይ ነገራት» ጽላሎት ኣብ ቅድሚ ሰባት ምቕማጥ ነበረ፣30 ሰይጣን ግና፣ እቲ መስዋእቲ ምሳሌኡ ጥራይ ናይ ዝነበረ፣ ንክርስቶስን ነቲ ናይ ሓቂ ኣገልግሎቱን ኣብ ክንዲ ዚርእዩ፣ ነቲ መስዋእቲ ባዕሉ ኪጥምቱ ንምምራሖም ጸዓረ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንድሕነቶም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ግብሪ ኪውከሉ ኪመርሖም ደለየ።
GSAM 45.2ዕላማ ጐይታ፣ ገዛኢ ህዝቡ፣ እስራኤላውያን፣ ምዃን፣ ውግኣቶም ምውጋእን ንኣህዛብ ምግዛእን ነበረ። ከምቲ እዚ ዚስዕብ ጽሑፍ ዜርእዮ፣ ናይ ርእሱ ኣገባብ ኣገዛዝኣ ነበሮ፦ «ኣብ ምድሪ ከነኣን ንሸውዓተ ኣህዛብ ምስ ኣጥፍአ፣ ምድሮም ብዕጫ ኣማቐሎም። ድሕሪኡ ኸኣ ክሳዕ ነብዪ ሳሙኤል፣ ንኣስታት ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት፣ መሳፍንቲ ሃቦም።»31
GSAM 45እስራኤል ንጉስ ይሓትት
GSAM 45.3እስራኤላውያን ነቲ ጐይታ ብእኡ ዚገዝኦም ኣገባብ ከም ዘይፈተውዎ ይርአ። ዕላማኡን ፍቓዱን ግና፣ ካብ ኵሎም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ እተፈልዩ፣ ፍሉያት ህዝቢ ኪዀኑ ነበረ። ትእዛዛቱ ብጥብቂ እንተ ዚስዕቡ ነይሮም፣ ኣህዛብ እኳ ብዛዕባኦም ከምዚ ምበሉ፦ «ብሓቂ እዚ ዓብዪ ህዝቢ እዚ ጥበበኛን ኣስተውዓልን ህዝቢ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና በቲ እንጽውዖ ዅሉ ንኣና ቐረባ ኸም ዝዀነ፣ ከምኡ ዝቐረቦ ኣምላኽ ዘለዎ ዓብዪ ህዝቢ ኣየናይ እዩ፧»32
GSAM 46.1ብዘይምዕጋቦም፣ ሳሙኤል ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪሸመሎም ሓተትዎ። ጐይታ ኸኣ ንሳሙኤል፣ «ኣነ ኣብ ልዕሊኦም ከይነግስ ንኣይ ነጺጎምኒ እዮም» በሎ።33 እንደገና ድማ ቍሩብ ብዝበለጸ ትእዛዛዊ ቓል፣ «ሕጂ ኸም ኵሎም ኣህዛብ ዚፈርደና ንጉስ ግበረልና» ኢሎም ንሳሙኤል ተዛረብዎ።34 ሳሙኤል፣ ንጉስ እንተ ሃለዎም እቲ ዚወርዶም ጭቈና ብጥንቃቐ ኣብ ቅድሚኦም ኣንበረ። ግናኸ፣ «እቲ ህዝቢ ድምጺ ሳሙኤል ኪሰምዕ ኣበየ፣ ከምዚ ኸኣ በለ፦ ኣይፋሉን፣ ኣብ ልዕሌና ንጉስ ኪህልወና እዩ፤ ንሕና እውን ከም ኵሎም ኣህዛብ ክንከውን፣ ንጉስና ኸኣ ኪፈርደና፣ ኣብ ቅድሜና ኺወጽእ፣ ውግኣትና ድማ ኪዋጋእ እዩ።»35
GSAM 46.2ስለዚ ንኣስታት ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ዚገዝእዎም ነገስታት ሃለውዎም። መጀመርታ፣ ኣብ ትሕቲ ሳኦልን ዳዊትን ሰሎሞንን፣ ሓንቲ መንግስቲ ነበሩ፤ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ክልተ መንግስታት፣ እስራኤልን ይሁዳን፣ ተኸፍሉ። ካብ ነገስታቶም ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ ሰናያትን ፍትሓውያንን ነበሩ፤ መብዛሕትኦም ግና እኩያት ኰይኖም፣ ነቲ ህዝቢ ናብ ኣምልኾ ጣኦትን ናብ ከቢድ ኣበሳን ይመርሕዎ ነበሩ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ንጉስ ብምህላዎም ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብኽፍኣቶም፣ ንኣምላኽ ኣቦታቶም ብምሕዳጎም፣ ንጣኦታትን ንሰራዊት ሰማይን ብምምላኾም እውን፣ ከምቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ኰኑ።
GSAM 46.3ጐይታ ብኣፍ ነብዪ ሆሴእ፣ ብዛዕባ እዚ ንጉሳዊ ኣገዛዝኣ ኸምዚ በለ፦ «ኦ እስራኤል፣ ንርእስኻ ኣጥፊእካያ፤ ረድኤትካ ግና ኣባይ እዩ። ኣነ ንጉስካ ክኸውን እየ፤ ኣብ ኵለን ከተማታትካ ኼድሕነካ ዚኽእል ካልእ ኣበይ ኣሎ፧ እቶም ‘ንጉስን መሳፍንትን ሃበኒ’ ዝበልካሎም ፈራዶኻኸ ኣበይ ኣለዉ፧ ብቝጥዓይ ንጉስ ሃብኩኻ፣ ብመዓተይ ድማ ወሰድክዎ።»36
GSAM 47ምግልባጥ መንግስቲ
GSAM 47.1እዚ ንጉሳዊ ግዝኣት እዚ፣ ከለዳውያን ንኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘቃጸልዋን ኣቕሑ ቤተ መቕደስ ክሳዕ ዝወሰዱን ንይሁዳ ናብ ባቢሎን ክሳዕ ዝማረኹን ቀጸለ። ከምቲ ኣብ ልዕሊኦም እተነገረ ትንቢት፣ ኣብኡ ንሰብዓ ዓመት ጸንሑ። እዚ ንጉሳዊ ግዝኣት ምስ ኣብቅዐ፣ እግዚኣብሄር ብነብዪ ህዝቅኤል ገይሩ ንመወዳእታ ንጉሶም ጼዴቅያስ ከምዚ በሎ፦ «ኣታ ርኹስን እኩይን መስፍን እስራኤል፣ ኣብቲ እከይ መወዳእታ ዝረኽበሉ መዓልትኻ ዝበጽሐ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፦ ነቲ መጠምጠምያ ኣርሕቖ፣ ነቲ ዘውዲውን ኣውጽኣዮ። እዚ ከምቲ ዝነበሮ ኣይክኸውንን እዩ። ነቲ ትሑት [ገዛኢ ባቢሎን] ልዕል ኣብሎ፣ ነቲ ልዑል [እዚ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ፣ ንርእሱ ኣዝዩ ልዕል ዘበለ ገዛኢ] ኸኣ ኣትሕቶ። ክግልብጦ፣ ክግልብጦ፣ ክግልብጦ እየ። እቲ መሰል ዘለዎ ክሳዕ ዝመጽእ፣ ደጊም ኣይክህሉን እዩ፤ ንእኡ ድማ ክህቦ እየ።»37
GSAM 47.2እዚ መሰል ዘለዎ ገዛኢ፣ እቲ ናይ ሓቂ ዘርኢ፣ ክርስቶስ እዩ። ነብዪ ሚክያስ ብዛዕባኡ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ «ኣቲ ግምቢ መጓሰ፣ ዕርዲ ጓል ጽዮን፣ እቲ ቐዳማይ ግዝኣት [ብክርስቶስ ዚምለስ ግዝኣት ምድሪ] ናባኺ ኺመጽእ እዩ፤ መንግስቲ ናብ ጓል ኢየሩሳሌም ክትመጽእ እያ።»38
GSAM 47.3እስራኤል በትረ መንግስቲ ምስ ሰኣነ፣ እቲ በትሪ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓለፈ። ብተኸታታሊ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን፣ ግሪኽን ሮማን ስለ ዝዀኑ፣ እታ መንግስቲ ሰለስተ ሳዕ ተገልበጠት። ኣብ ዘመነ ኣውግስጦስ ቄሳር፣ ሃጸይ ሮማ፣ ክርስቶስ፣ እቲ ሕጋዊ ወራሲ ዝፋን ዳዊት፣ እቲ ናይ ሓቂ ዘርኢ እታ ሰበይትን ኣብርሃምን ዳዊትን፣ ከምቲ እተነበየሉ ኣገባብ ተወልደ።
GSAM 47.4ህዝቢ፣ እቲ መሰል ዘለዎ ገዛኢ፣ እቲ ናይ ሓቂ ዘርኢ፣ ሓጺር ዕድመ ዘለዋ መንግስቲ ዘለዎ ተራ መዋቲ ሰብ ጥራይ ከም ዘይኰነ ኺፈልጡ፣ እግዚኣብሄር ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ኺጽሕፍ ኣለዓዓሎ፦ «ኣነ ኸኣ በዅረይ፣ ካብ ነገስታት ምድሪ ዝለዓለ ኽገብሮ እየ። ምሕረተይ ንዘለኣለም ክዕቅበሉ፣ ኪዳነይውን ምስኡ ጸኒዑ ኪነብር እዩ። ንዘርኡ ንዘለኣለም፣ ንዝፋኑ ኸኣ ከም መዓልትታት ሰማይ ከንብሮ እየ።» «ዘርኡ ንዘለኣለም ኪነብር፣ ዝፋኑ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ከም ጸሓይ ኪኸውን እዩ። ከም ወርሒ ንዘለኣለም፣ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ እሙን ምስክር ኪጸንዕ እዩ።»39
GSAM 48.1ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ብዛዕባ እዚ ገዛኢ እዚ ኣስዒብና ከምዚ ነንብብ፦ «ህጻን ተወሊዱልና፣ ወዲ ተዋሂቡና እዩ፤ ስልጣን ኣብ መንኵቡ ኪኸውን እዩ። ስሙ ድማ ድንቂ፣ መኻሪ፣ ሓያል ኣምላኽ፣ ኣቦ ዘለኣለም፣ መስፍን ሰላም ኪብሃል እዩ። ዕቤት ስልጣኑን ሰላሙን መወዳእታ ኣይኪህልዎን እዩ። ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ኪነግስ፣ ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ብፍርድን ብጽድቅን ከስርዓን ከጽንዓን እዩ። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጸባኦት እዚ ኺፍጽም እዩ።»40
GSAM 48ሄኖክን ኤልያስን ናብ ሰማይ ተወስዱ
GSAM 48.2ኣብ ጥንቲ ግዜ ሞት ከይጠዓሙ ናብ ሰማይ ዝተወስዱ ሰባት ከም ዝነበሩ ተመዝጊቡ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ካብ ኣዳም ሻብዓይ ዝዀነ ሄኖክ፣ «ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ፤ ኣምላኽ ስለ ዝወሰዶ ድማ ኣይተረኽበን» ይብል።41 «ሄኖክ ሞት ከይርኢ ብእምነት ተወስደ፤ ኣምላኽ ስለ ዝወሰዶ ኸኣ ኣይተረኽበን። ቅድሚ ምውሳዱ፣ ንኣምላኽ ከም ዘሐጐሶ ተመስኪሩሉ ነበረ።»42
GSAM 48.3ከምኡውን ኤልያስን ኤልሳእን ብሓባር እናተጓዕዙ፣ «እናኸዱን እናተዛረቡን ከለዉ፣ እንሆ፣ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን ተራእዩ፣ ንኽልቲኦም ፈላለዮም፤ ኤልያስ ከኣ ብህቦብላ ናብ ሰማይ ደየበ። ኤልሳእ ድማ ረኣዮ፣ ኣቦይ፣ ኣቦይ፣ ሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን፣ ኢሉ ጨደረ። ደጊም ከኣ ኣይረኣዮን።»43
GSAM 48.4ሄኖክ፣ ክርስቶስ ከም ፈራዲ ብዘላ ምድሪ ኸም ዚመጽእ፣ በዘን ቃላት እዚኣተን ተነበየ፦ «እንሆ፣ ጐይታ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳኑ ይመጽእ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ፍርዲ ኺፍጽም፣ ንዅሎም እቶም ኣብ መንጎኦም ዘለዉ ረሲኣን ድማ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ብርኽሰት ዝገበርዎ እኩይ ግብርታቶምን፣ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ረሲኣን ሓጥኣን ኣብ ልዕሊኡ ዝተዛረብዎ ትሪ ዘለዎ ቓላትን ኪረትዖም እዩ።»44
GSAM 49እዮብ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታ መሃረ
GSAM 49.1ኣብ ዘመን ሙሴ ዝነበረ ይኸውን ዝብሃለሉ እዮብ፣ ብዛዕባ ምጽኣት ክርስቶስን ትንሳኤን ገለ ፍልጠት ነበሮ። ከምዚ ድማ በለ፦ «ኣየ፣ ቃላተይ እንተ ዚጽሓፉ፣ ኣብ መጽሓፍ እንተ ዚምዝገቡ፣ ብብርዒ ሓጺንን ብዓረርን ኣብ ከውሒ ንዘለኣለም እንተ ዚውቀሩ! ተበጃውየይ ህያው ምዃኑ፣ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኸም ዚቐውም፣ ኣነ እፈልጥ እየ። ድሕሪ ቘርበተይ ሓሳኹ ነዚ ስጋ እዚ እኳ እንተ ኣጥፍእዎ፣ ብስጋይ ግና ንኣምላኽ ክርእዮ እየ። ኣነ ባዕለይ ክርእዮ እየ፤ ኣዒንተይ ደኣ እምበር ካልእ ኣይኰነን ኪርእዮ።»45
GSAM 49ዝፋን ዳዊት፣ ዝፋን እግዚኣብሄር
GSAM 49.2ዝፋን ዳዊት፣ ዝፋን እግዚኣብሄር ይብሃል ነበረ። «ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዳዊት፣ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተቐመጠ።»46 እግዚኣብሄር «ካብ ፍረ ሕቖኡ ብስጋ ንክርስቶስ ኣተንሲኡ ኣብ ዝፋኑ ኸም ዜቐምጦ፣ ንእኡ [ንዳዊት] ብማሕላ ምሒሉሉ ነበረ። እዚ ቐዲሙ ርእዩ፣ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይተሓድገት፣ ስጋኡውን ምብስባስ ከም ዘይረኣየ፣ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ተዛረበ።»47 ብዛዕባ መጻኢ ግዝኣት ክርስቶስ ድማ፣ ኣብ ዝፋን ዳዊት ኪቕመጥ እዩ፣ ተባሂሉ ኣሎ። (ኢሳይያስ 9:7 ርአ።) ከምኡውን፣ «ነገስታት ምድሪ ይስለፉ፣ መሳፍንቲ ድማ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ ቅቡኡን ብሓባር ይመኽሩ።... ኣነ ግና ንንጉሰይ ኣብ ጽዮን፣ ኣብ ቅዱስ ከረነይ፣ ሸይመዮ ኣለኹ። ነቲ ኣዋጅ ክነግር እየ፤ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ፣ በለኒ።»48 ከምኡውን፣ «እግዚኣብሄር ንጐይታይ፣ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፣ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፣ በሎ።»
GSAM 49ኣይሁድ ተደናገሩ
GSAM 49.3እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ንኣይሁድ ኣደናገራኦም። ክፈትሕዎ ዘይከኣሉ ሕቶ ኣብዚ ነበረ፦ ዳዊት ጐይታ ኢሉ እንተ ጸዊዕዎ፣ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን፧ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝውለድ ህጻን ክኸውን፣ ብሓደ ግዜ ድማ ኣማኑኤል፣ ማለት ኣምላኽ ምሳና፣ ክኸውን ከመይ ይኽእል፧ እንተዀነ እቲ ናታቶም ነብዪ ኢሳይያስ፣ «ድንግል ክትጠንስ፣ ወዲውን ክትወልድ፣ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ» ኢሉ ኣወጀ።49
GSAM 50.1ክርስቶስ ነቶም ዝካትዑ ፈሪሳውያን ስቕ ዘብል ሕቶ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም፦ «ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መን እዩ፧ ንሳቶም፣ ወዲ ዳዊት፣ በልዎ። ንሱ ድማ፣ እምብኣር ዳዊት ብመንፈስ፣ እግዚኣብሄር ንጐይታይ፣ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፣ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፣ በሎ፣ እናበለ፣ ከመይ ኢሉ ጐይታ ኢሉ ይጽውዖ፧ ዳዊት ጐይታ ኢሉ ዚጽውዖ ኻብ ኰነ፣ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን፧ በሎም።»50
GSAM 50.2እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ መዝሙር 45:6, 7 እንደገና ተጠቒሱ ኣሎ፦ «ኦ ኣምላኽ፣ ዝፋንካ ንዘለኣለም ዘለኣለም እዩ፤ በትሪ መንግስትኻ ቅኑዕ በትሪ እዩ። ጽድቂ ትፈቱ፣ እከይ ድማ ትጸልእ ኢኻ፤ ስለዚ ኣምላኽ፣ እቲ ኣምላኽካ፣ ካብ ብጾትካ ኣብሊጹ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ።»51 ህዝቢ ኣይሁድ ነዘን ጽሑፋት እዚኣተን ኣብ ኣእምሮኦም እናሓዙ፣ ብዛዕባ ባህርይ እቲ መጻኢ ገዛኢን መሓደሲን ልዑል ሓሳብ ነይርዎም ክኸውን ኣለዎ። ብኻልእ ኣገባብ ኪኸውን ኣይምኸኣለን።
GSAM 50እቲ ዘርኢ፣ መለኮታዊ መበቈል ዘለዎ
GSAM 50.3እግዚኣብሄር ብነብዪ ሚክያስ ገይሩ፣ መለኮታዊ መበቈሉን እታ ዚውለደላ ንእሽቶ ዓዲ እውን ስለ ዝገለጸ፣ ብዛዕባ ክርስቶስን ልደቱን ዝርዝር ትምህርቲ ተዋህበ፦ «ኣቲ ቤተ ልሄም ኤፍራታ፣ ኣብ መንጎ ኣሽሓት ይሁዳ ንእሽቶ እኳ እንተ ዀንኪ፣ እቲ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኺወጸለይ እዩ። መውጽኢታቱ ኻብ ጥንቲ፣ ካብ ዘለኣለም እዩ።» (ኣብ ወሰን ጽሑፍ፣ ብእብራይስጢ፣ ካብ «መዓልትታት ዘለኣለም»።)52
GSAM 50ህላወ ኣምላኽ ኣብ ሸኪናን ደበናን ተገልጸ
GSAM 50.4ጸኒሑ፣ ኣብ ታሪኽ እስራኤላውያን፣ ሰሎሞን ህንጸት እቲ ኣዝዩ «ግርማዊ» ኪኸውን ኣለዎ ዝበሎ ቤተ መቕደስ ምስ ፈጸመ፣ ሸኪና ኽብሪ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ኪሩቤል፣ ኣብ ልዕሊ መኽደን ምሕረት፣ ቦታኡ ሓዘ። እቲ ታሪኽ፣ ኣብ ምርቓ ቤተ መቕደስ፣ ካህናት ካብ ቅድስቲ ቦታ ምስ ወጹ፣ «እቲ ደበና ንቤት እግዚኣብሄር መልኦ። ክብሪ እግዚኣብሄር ንቤት እግዚኣብሄር መሊእዎ ስለ ዝነበረ፣ ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከኣሉን» ይብል።53 ኣብዚ ቤተ መቕደስ እዚ ዝነበረ ህላወ እግዚኣብሄር፣ በቲ ደበና ኽብሪ ንኣዒንቲ ህዝቢ ተገልጸ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ እግዚኣብሄር ንጸሎት ሰሎሞን መለሰሉ፣ «ጸሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፣ ነዛ ቦታ እዚኣ ድማ ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ንኣይ ሓርየያ ኣለኹ» በሎ።54
GSAM 51.1እቲ ህዝቢ ሓጢኣት ገበረ፣ ናብ ኣምልኾ ጣኦት ኣተወ፤ ብሰንኪ እዚ ድማ ከተማኦምን መቕደሶምን ንሰብዓ ዓመት ፈሪሶም ነበሩ። ድሕሪ ምርኮ፣ ቤተ መቕደስ ብኢድ ዘሩባቤል እንደገና ተሃንጸ። ብግርማኡ ኻብቲ ሰሎሞን ዝሃነጾ ዝተሓተ እኳ እንተ ነበረ፣ እግዚኣብሄር ግና ብነብዪኡ፣ «ክብሪ እዚ ዳሕረዋይ ቤት ካብቲ ቐዳማይ ዚዓቢ ኪኸውን እዩ» በለ።55 እዚ ቤት እዚ ብሄሮድስ ተጸበቐ፣ ኣብ ኣጸዳቱ ድማ መድሓኒ መሃረ። እቲ ቐዳማይ ቤት፣ ንእግዚኣብሄር ዚውክል ደበና ኽብሪ ነበሮ፤ ናብቲ ኻልኣይ ግና መድሓኒ ባዕሉ፣ ፈጣሪ ዅሉ፣ መጸ።
GSAM 51ክቡር ግዝኣት እቲ ኻብ ጕንዲ እሴይ ዚወጽእ
GSAM 51.2ነቶም ኣብ ዘመን ኢሳይያስ ብተስፋ ዚጽበዩ ዝነበሩ፣ እቲ ብትንቢቱ እተገልጸ፣ ምስ መወዳእታ ድሕነት ዝተኣሳሰረ ኽቡር ነገራት፣ ምንጪ ብርታዐን መተባብዕን ኰይኑሎም ኪኸውን ኣለዎ። እዘን ትንቢታት እዚኣተን፣ እቲ ዚጽበይዎ ዝነበሩ መድሓኒ ኻበየናይ ዘርኢ ኸም ዚመጽእ እንደገና ብንጹር ከምዚ ኢለን ይገልጻ፦ «ካብ ጕንዲ እሴይ ጨንፈር ኪወጽእ፣ ካብ ሱሩውን ጠጥዒ ኪበቍል እዩ። መንፈስ እግዚኣብሄር፣ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን፣ መንፈስ ምኽርን ሓይልን፣ መንፈስ ፍልጠትን ፍርሃት እግዚኣብሄርን፣ ኣብ ልዕሊኡ ኺዓርፍ እዩ። ብፍርሃት እግዚኣብሄር ከኣ ቅልጡፍ ኣእምሮ ኺህልዎ እዩ። ብዓይኑ ብዝረኣዮ ኣይኪፈርድን፣ ብእዝኑ ብዝሰምዖውን ኣይኪገንሕን እዩ። ንድኻታት ግና ብጽድቂ ኺፈርደሎም፣ ንትሑታት ምድሪ ድማ ብቕንዕና ኺገንሓሎም እዩ። ንምድሪ ብበትሪ ኣፉ ኺወቕዓ፣ ንረሲእውን ብእስትንፋስ ከናፍሩ ኺቐትሎ እዩ።»56
GSAM 52ነብያት ብዛዕባ ትንሳኤ መሃሩ
GSAM 52.1ነብዪ ኢሳይያስ እውን፣ በዘን ዜጸናንዓ ቓላት እዚኣተን፣ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት መሃረ፦ «ኣብዚ ኸረን እዚ፣ እግዚኣብሄር ጸባኦት ንዅሎም ህዝብታት ድግስ ስቡሕ መግቢ፣ ድግስ ኣብ ለቘታኡ ዝጸንሐ ወይኒ፣ ሕቜ ዝመልኦ ስቡሕ መግቢን ኣብ ለቘታኡ ጸኒሑ ኣጸቢቑ ዝጸረየ ወይንን ኪገብረሎም እዩ። ኣብዚ ኸረን እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ዚሽፍን መጋረጃን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ዝተዘርግሐ መኸወልን ኬጥፍኦ እዩ። ንሞት ብዓወት ኪውሕጦ እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ካብ ኵሉ ገጻት ንብዓት ኪደርዝ፣ ካብ ብዘላ ምድሪ ድማ ውርደት ህዝቡ ኼርሕቕ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፣ እንሆ፣ እዚ ኣምላኽና እዩ፤ ተጸቢናዮ፣ ንሱ ድማ ኬድሕነና እዩ። እዚ እግዚኣብሄር እዩ፣ ተጸቢናዮ፤ ብድሕነቱ ኽንሕጐስን እልል ክንብልን ኢና፣ ኪብሃል እዩ።»57
GSAM 52መንግስቲ ኣብ እተሓደሰት ምድሪ
GSAM 52.2እዚ ነብዪ እዚ፣ እቲ መወዳእታ ግዝኣት ኣብ እተሓደሰት ምድሪ ኸም ዚቐውም ከምዚ ኢሉ ይዛረብ፦ «እንሆ፣ ሓድሽ ሰማያት [ናይ ከባቢ ኣየር ሰማያት] ከምኡውን ሓዳስ ምድሪ እፈጥር ኣለኹ፤ እቲ ቐደም ዝነበረ ኣይኪዝከርን፣ ናብ ሓሳብውን ኣይኪመጽእን እዩ [ኣብ ወሰን ጽሑፍ፣ ብእብራይስጢ፣ “ናብ ልቢ ኣይኪመጽእን”፣ ማለት፣ እንደገና ኣይኪድለን እዩ]። በቲ ኣነ ዝፈጥሮ ግና ንዘለኣለም ተሓጐሱን እልል በሉን። እንሆ፣ ንኢየሩሳሌም እልልታ፣ ንህዝባ ድማ ሓጐስ እፈጥሮም ኣለኹ እሞ። ብኢየሩሳሌም እልል ክብል፣ ብህዝበይውን ክሕጐስ እየ፤ ድምጺ ብኽያትን ድምጺ ኣውያትን ደጊም ኣብኣ ኣይኪስማዕን እዩ። ካብኡ ንደሓር [እታ ሓዳስ ምድሪ ኻብ እትፍጠረሉ ግዜ ጀሚሩ]፣ ውሑዳት መዓልትታት ጥራይ ዚነብር ህጻን [ሓጺር ዕድመ ዘለዎ ቘልዓ]፣ ወይ መዓልትታቱ ዘይመልአ ኣረጊት [ቅድሚ ግዜኡ ዝኣረገ] ኣይኪህሉን እዩ። እቲ ቘልዓ ወዲ ሚእቲ ዓመት ኰይኑ ኺመውት እዩ [ሰባት ትሽዓተ ሚእቲ ዓመት ኣብ ዚነብሩሉ ዝነበሩ መዓልትታት፣ ቈልዑ ሚእቲ ዓመት ኪዀኑ ይኽእሉ ነበሩ]፤ እቲ ወዲ ሚእቲ ዓመት ዝዀነ ሓጥእ ግና [ኣብ ዳሕረዎት ዓመታት ናይ ሚእቲ ዓመት ዕድመ] ርጉም ኪኸውን እዩ። [እቶም እታ ሓዳስ ምድሪ ኣብ እትመጸሉ ግዜ ዚሞቱ፣ እቶም ኣብ “ጥፍኣት ረሲኣን ሰባት” ዚጠፍኡ እዮም። 2 ጴጥሮስ 3:7።] ኣባይቲ ኺሃንጹ፣ ኣብኣተን ከኣ ኪቕመጡ እዮም፤ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፣ ፍሪኡውን ኪበልዑ እዮም። ንሳቶም ሃኒጾም ካልእ ኣይኪቕመጦን፣ ንሳቶም ተኺሎም ካልእ ኣይኪበልዖን እዩ። መዓልትታት ህዝበይ ከም መዓልትታት ኦም [ኦም ህይወት፣ ትርጉም ሰብዓ ሊቃውንት] እየን፣ ሕሩያተይውን ንነዊሕ ግዜ ብዕዮ ኣእዳዎም ኪሕጐሱ እዮም።»58
GSAM 53.1ህዝቅኤል ነቲ ነዊሕ ዘመናት ሰጊሩ፣ ናብ ትንሳኤ ምዉታት ይጥምት። እግዚኣብሄር ብእኡ ገይሩ፣ «እንሆ፣ ኣታ ህዝበይ፣ መቓብራትኩም ክኸፍት፣ ካብ መቓብራትኩም ከውጽኣኩም፣ ናብ ምድሪ እስራኤል ድማ ከእትወኩም እየ» ይብል።59
GSAM 53«ንሱ ሓዘናትና ጾረ»
GSAM 53.2ንኢሳይያስ፣ እቲ ነብዪ ወንጌል፣ እቲ መድሓኒ ምእንቲ ሰባት ዚቕበሎ ፈተናን መከራን ሞትን ብዝበለጸ ምልኣት ተገልጸሉ። «መን»፣ ይብል እቲ ነብዪ፣ «ንወረና ኣሚኑ፧ ቅልጽም እግዚኣብሄርከ ንመን ተገሊጹ፧ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ልምሉም ተኽሊ፣ ካብ ንቑጽ ምድሪ ኸም ዚወጽእ ሱር ኪዓቢ እዩ። መልክዕ ወይ ግርማ የብሉን፤ ምስ እንርእዮ ኸኣ፣ ክንደልዮ ዜብህግ ጽባቐ የብሉን። ንዑቕን ብሰባት እተነጽገን፣ ሰብኣይ ሓዘን፣ ብመከራውን ልሉይ እዩ። ከምቲ ሰብ ገጹ ዚኽውለሉ ዀነ፤ ተናዕቀ፣ ንሕናውን ኣየኽበርናዮን። ብሓቂ፣ ንሱ መከራና ጾረ፣ ሓዘናትናውን ተሰከመ፤ ንሕና ግና ከም እተቐዝፈ፣ ብኣምላኽ ከም እተወቕዐን እተሳቐየን ቈጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ኣበሳና ቘሰለ፣ ብሰሪ ኣእባስና ተደቝሰ። ሰላም ዜምጽኣልና መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊኡ ነበረ፣ ብስምብራቱ ድማ ሓዊና።»60
GSAM 53.3እቲ ህዝብን እቲ ነብዪን፣ እዚ ኽንድዚ ዜደንቕ ነገራት ኣብ ዘመነይ ኪፍጸም ድዩ፧ ኢሎም ኪሓትቱ ይኽእሉ ነበሩ። እቲ መልሲ ኸኣ፣ ሕጂ ኣይኪፍጸምን እዩ፤ ግዜ ምጽኣት እዚ ዓብዪ መድሓኒ እዚ ገና ኣይበጽሐን፣ ዚብል ምዀነ። እቲ ነብዪ ግና፣ «ኣዒንትኻ ንንጉስ ብጽባቐኡ ኺርእያኦ እየን፤ ነታ ኣዝያ ርሕቕቲ ምድሪውን ኪጥምታ እየን» ይብል።61
GSAM 54ትንቢታት ዳንኤል ንመጻኢ ይገልጹ
GSAM 54.1እግዚኣብሄር ግና፣ ብነብዪ ዳንኤል ገይሩ፣ ብዛዕባ እተን ብተኸታታሊ ዚትንስኣን ዘለኣለማዊት መንግስቱ ኽሳዕ እትቐውም ዚገዝኣን መንግስታት ንህዝቡ ኺምህር ጀመረ። ካብ ሽዑ ገና ዘይተፈጸመ ፍጻመ ጀሚሩ፣ ክሳዕ ምግሃድን ምቝራጽን መሲሕ ዚበጽሕ ፍሉይ እዋን ድማ ገለጸ። ትርጉም ሕልሚ ነቡካድነጻር፣ እተን ንዓለም ኪገዝኣ ዝነበረን ኣርባዕተ መንግስታት፣ ከምቲ ዋጋ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ሓጺንን እናነከየ ዚኸይድ፣ ሓይለንን ግርማአንን እናነከየ ኸም ዚኸይድ ገለጸ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ እተሰባበረን እተፈላለየን ኵነታት እተን መንግስታት፣ ምስ ጭቃ እተሓወሰ ሓጺን ከም ዚሰባበር ከም ዚኸውን ኣርኣየ። ድሕርዚ መንግስቲ ሰማይ ክትመጽእ ነበራ። እተን መንግስታት ከም ብቋቕ ናይ ሓጋይ ዓውዲ ኰይነን፣ ቦታ እኳ ኸይርከበለን ምስ ጠፍኣ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘላ ምድሪ ኽትመልእ ነበራ።
GSAM 54.2ድሕርዚ፣ ኣብ ራእይ ሻብዓይ ምዕራፍ፣ በቶም ምልክታት ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት፣ እቲ ሓሳብ እንደገና ተገልጸ፣ ካልእ መለለዪታት እዘን መንግስታት እዚኣተን ድማ ተዋህበ። ኣብዚ ምዕራፍ እዚ፣ እታ ራብዓይቲ መንግስቲ ናብ ዓሰርተ ኽፍልታት ምስ ተመቕለት፣ ዚትንስእ ስልጣን እቲ «ንእሽቶ ቐርኒ»፣ ምስ ታሪኹን ግብሩን ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንፈሳዊ ገዛኢ ኪኸውን ኢሉ፣ ካብኣቶም ንሰለስተ ኺግልብጥ ወይ ከግዝእ ነበሮ። እዚ ጳጳሳዊ ስልጣን እዚ፣ ኣብቲ እተመቓቐለን ዚሰባበርን ኵነታት ራብዓይቲ መንግስቲ፣ ን1260 ዓመት ኪቕጽል ነበሮ። በዚ ኸምዚ፣ ክርስቶስ ካብ ኣቦኡ መንግስቲ ተቐቢሉ፣ ንቅዱሳን ልዑል ክሳዕ ዚህቦም ግዜ ዚበጽሑ ፍጻመታት ተገልጹ። እታ መንግስቲ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ንብዘላ ምድሪ ኽትገዝእ፣ ንዘለኣለምውን ክትጸንዕ እያ።
GSAM 552300 መዓልትታት
GSAM 55.1ኣብ ሻምናይ ምዕራፍ ዳንኤል፣ በቲ ራእይ ድዑልን ወጠጦን፣ ከምኡውን እቲ «ኣዝዩ ዝዓበየ ንእሽቶ ቐርኒ»፣ እቲ ነብዪ እንደገና ኽሳዕ መወዳእታ ዘመን ተወስደ። ኣብ ቍጽሪ 13ን 14ን፣ ኣቓልቦኡ ናብ ሓደ ኽሳዕ ፍርዲ ዚበጽሕ እዋን፣ 2300 መዓልትታት፣ ተመልሰ። እዚ ነዊሕ እዋን ነበረ፣ እቲ ነብዪውን ከምኡ ኢሉ ተረድኦ፤ እቲ መልኣኽ፣ እቲ ራእይ ገና ንብዙሓት መዓልትታት ምዃኑ ነጊርዎ ነበረ እሞ። እተን መዓልትታት መዓስ ከም ዚጅምራ ዕለት ገና ኣይተዋህበን ነበረ። ስለዚ ድማ፣ «በቲ ራእይ ተደነቕኩ፣ ዚርድኦ ግና ሓደ እኳ ኣይነበረን» ኢሉ ነቲ ምዕራፍ ይዛዝሞ።
GSAM 55ክሳዕ መሲሕ ዘለዋ ሰብዓ ሰሙናት
GSAM 55.2እቲ መበል ትሽዓተ ምዕራፍ፣ እቲ መልኣኽ ንልመና ዳንኤል መልሲ ኪህብ፣ ጥበብን ምስትውዓልን ኬስንቖ ናብኡ ኸም ዝመጸ ይነግር። ብዛዕባ ናይ ሰብዓ ሰሙናት እዋን ነገሮ። ካብዘን ሰሙናት ዓመታት እዚኣተን [እታ «ሰሙናት» ተባሂላ እተተርጐመት ሸቩዒም እትብል ቃል፣ ከም እተነግረና፣ እዚ እዩ ትርጉማ] ስሳን ትሽዓተን ክሳዕ መሲሕ ኪበጽሓ ነበረን። እቲ እዋን ዚጅምረሉ ነጥቢ፣ «ንኢየሩሳሌም ንምምላስን ንምህናጽን ዚወጽእ ትእዛዝ»፣ ገና ኣይተዋህበን ነበረ። እምብኣር፣ ዳንኤል እተን ስሳን ትሽዓተን ሰሙናት መዓስ ከም ዚውድኣ ኸመይ ኢሉ ኺፈልጥ ይኽእል፧ ዚብል ሕቶ ይለዓል። ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ምዕራፍ፣ ጕዳይ ግዜ እንደገና ይምርመር። «መወዳእታ እዚ ነገራት እዚ እንታይ ኪኸውን እዩ፧» ኢሉ ምስ ሓተተ፣ እቲ ቓላት ክሳዕ ግዜ መወዳእታ፣ እቶም «ለባማት ዚርድኡሉ»፣ «ተዓጽዩን ተሓቲሙን» ስለ ዘሎ፣ መገዱ ኺኸይድ ተነግሮ።
GSAM 55.3ብዘይ ጥርጥር፣ እዚ ጕዳይ ግዜ እዚ ሓደ ኻብቶም ሃዋርያ ጴጥሮስ ዚጠቕሶም ኣብነታት እዩ። ንሱ ከምዚ ይብል፦ «ብዛዕባ እዚ ድሕነት እዚ፣ እቶም ናባኻትኩም ብዛዕባ ዚመጽእ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብትግሃት ሓቲቶምን መርሚሮምን እዮም። እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፣ መከራ ክርስቶስን ነዚ ዚስዕብ ክብርን ኣቐዲሙ ኺምስክር ከሎ፣ ኣየናይ ግዜ ወይ ከመይ ዝበለ ግዜ ኸም ዜመልክት ይመራመሩ ነበሩ።»62
GSAM 56መወዳእታ ረሲኣን
GSAM 56.1ሚልክያስ፣ እቲ መወዳእታ ነብዪ ብሉይ ኪዳን፣ ብዛዕባ መወዳእታ ጥፍኣት እኩያት ልቢ ዚትንክፍ መግለጺ ይሓድግ፦ «እንሆ፣ ከም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ። ኵሎም ትዕቢተኛታትን ኵሎም እከይ ዚገብሩን ሓሰር ኪዀኑ እዮም። እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸኣ፣ ሱር ኰነ ጨንፈር ከይተርፎም፣ ከተቃጽሎም እያ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጸባኦት። ንኣኻትኩም፣ ስመይ እትፈርሁ ግና፣ ጸሓይ ጽድቂ ፈውሲ ኣብ ኣኽናፋ ሒዛ ኽትበርቀልኩም እያ፤ ክትወጹ፣ ከም ጥቃውቲ ደምበውን ክትዓብዩ ኢኹም። ኣብታ ኣነ እዚ ዝገብረላ መዓልቲ፣ ረሲኣን ኣብ ትሕቲ ከብዲ እግርኹም ሓመዅሽቲ ኪዀኑ እዮም እሞ፣ ክትረግጽዎም ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጸባኦት።»63
GSAM 56.2እስራኤላውያን፣ ነዚ ዅሉ ሓቅታት ኣብ ዝሓዝዎ ብሉይ ኪዳን ተጻሒፉ፣ ብዙሕ ገጻት መደብ ድሕነት ይገልጸሎም ስለ ዝነበረ፣ እቶም ብትግሃት ንቓል ዜጽንዑ፣ እቲ ተስፋ እተዋህበሉ ዘርኢ ዚመጸሉ ግዜ እናቐረበ ኸም ዝነበረ ምስ ረኣዩን ምስ ተረድኡን፣ ክንደይ ዝዓበየ ተገዳስነት ኰን ነይርዎም ይኸውን! እቶም ብዙሓት፣ እቶም ነቲ ጽሑፋት ኣብ ኵሉ ሰንበት ኣብ ቤት ጸሎታት ዜንብብዎ እኳ፣ ነቲ ቓል ኪርድእዎ ከይከኣሉ ኸለዉ (ግብሪ ሃዋርያት 13:27)፣ እቶም ፈራህቲ ኣምላኽን ተጋህቲ ተመራመርትን፣ ብመሪሕነት መንፈስ ነቲ ጽሑፋት ብተኣማንነት ዚምርምሩ ዝነበሩ፣ ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብዚ ዘመን እዚ ዝገበሮ፣ «ንዓ፣ ጐይታ የሱስ፣ ቀልጢፍካውን ንዓ» ኢሎም ብትግሃት ከም ዝጸለዩ ጥርጥር የልቦን።
Notes
- ምሳሌ 13:12። ↩
- ሃጌ 2:6, 7። ↩
- እብራውያን 12:26-28። ↩
- ኢሳይያስ 28:13። ↩
- ምሳሌ 4:18። ↩
- ዘፍጥረት 4:1። ↩
- እብራውያን 11:4። ↩
- ዘፍጥረት 4:25። ↩
- ዘፍጥረት 5:29። ↩
- ዘፍጥረት 9:1; 10:9, 10። ↩
- ዘፍጥረት 13:15-17። ↩
- እብራውያን 11:8። ↩
- እብራውያን 11:10። ↩
- ዘፍጥረት 15:13-15። ↩
- እብራውያን 11:19። ↩
- ገላትያ 3:16። ↩
- ገላትያ 3:8። ↩
- ዘፍጥረት 28:13። ↩
- ዘፍጥረት 49:10። ↩
- ዘጸኣት 1:8; ግብሪ ሃዋርያት 7:18፣ ↩
- እብራውያን 11:23። ↩
- ናይ ዮሴፉስ ‘ጥንታዊ ታሪኽ ኣይሁድ’፣ መጽሓፍ 2፣ ምዕራፍ 9፣ ሕጡብ ጽሑፍ 7፤ ‘መንፈስ ትንቢት’፣ ጥራዝ 1፣ ገጽ 165, 166 ርአ፣ ↩
- ግብሪ ሃዋርያት 7:25። ↩
- ዘሁልቍ 24:17። ↩
- እብራውያን 11:12, 13። ↩
- ዘሁልቍ 14:21። ↩
- ኣንባቆም 2:14። ↩
- ዘጸኣት 25:40; 26:30; 27:8; ግብሪ ሃዋርያት 7:44። ↩
- እብራውያን 8:3-5; 9:8-12። ↩
- እብራውያን 10:1። ↩
- ግብሪ ሃዋርያት 13:19, 20። ↩
- ዘዳግም 4:6, 7። ↩
- 1 ሳሙኤል 8:7። ↩
- 1 ሳሙኤል 8:5። ↩
- 1 ሳሙኤል 8:19, 20። ↩
- ሆሴእ 13:9-11። ↩
- ህዝቅኤል 21:25-27። ↩
- ሚክያስ 4:8። ↩
- መዝሙር 89:27-29, 36, 37። ↩
- ኢሳይያስ 9:6, 7። ↩
- ዘፍጥረት 5:24። ↩
- እብራውያን 11:5። ↩
- 2 ነገስት 2:11, 12። ↩
- ይሁዳ 14, 15። ↩
- እዮብ 19:23-27። ↩
- 1 ዜና መዋእል 29:23። ↩
- ግብሪ ሃዋርያት 2:30, 31። ↩
- መዝሙር 110:1። ↩
- ኢሳይያስ 7:14። ↩
- ማቴዎስ 22:42-45፤ መዝሙር 110:1። ↩
- እብራውያን 1:8, 9። ↩
- ሚክያስ 5:2። ↩
- 1 ነገስት 8:10, 11። ↩
- 2 ዜና መዋእል 7:12። ↩
- ሃጌ 2:9። ↩
- ኢሳይያስ 11:1-4። ↩
- ኢሳይያስ 25:6-9። ↩
- ኢሳይያስ 65:17-22። ↩
- ህዝቅኤል 37:12። ↩
- ኢሳይያስ 53:1-5። ↩
- ኢሳይያስ 33:17። ↩
- 1 ጴጥሮስ 1:10, 11። ↩
- ሚልክያስ 4:1-3። ↩