ምዕራፍ 5 — መልእኽቲ ዳግማይ ምጽኣት
GSAM 93.1«ሕጂ ኻብ ኦም በለስ ምስላ ተምሃሩ፤ ጨንፈሩ ገና ለምለም ከሎ፣ ቈጽሊ ድማ ከውጽእ ምስ ጀመረ፣ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ። ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም፣ እዚ ዅሉ ምስ ረኣኹም፣ ከም ዝቐረበ፣ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዘሎ ፍለጡ [ኣብ ወሰን ገጽ፦ ንሱ ኸም ዝቐረበ]። እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዝፍጸም፣ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሓልፍ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ሰማይን ምድርን ኪሓልፉ እዮም፣ ቃላተይ ግና ኣይሓልፉን።»1
GSAM 93.2እዚ ጥቕሲ እዚ፣ ከምቲ ቀዳሞት ለምለም ቈጽልታት ኪወጹ ምስ ረኣና፣ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ብርግጽ እንፈልጦ፣ ምጽኣት ክርስቶስ እውን «ኣብ ኣፍ ደገ» ኸም ዝበጽሐ ብኸምኡ ዝበለ ርግጸኝነት ክንፈልጠሉ ናብ እንኽእል ግዜ ኣቓልቦና ይመርሕ። ክርስቶስ ባዕሉ ኽሳዕ ዝመጽእ ካብ መድረኽ ህይወት ዘይሓልፍ ወለዶ ኸም ዝበጻሕና እውን ክፍለጥ ይከኣል እዩ። ነቲ ምስላ እንመሃረሉ ግዜ ምስ በጽሐ፣ ጎይታ ነቲ ምስላ ዝምህሩ መምህራን ዘተንስኣሉ ግዜ ኸም ዝኾነ ብርግጽ ሓቂ እዩ። እቲ ሃዋርያ ኣብ ካልእ እዋን ዝሓተቶ ሕቶ ኣብዚ እውን ብማዕረ ይሰማማዕ፦ «ዝሰብከሎም ከይሃለወኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧ ከይተላእኩኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰብኩ፧»2
GSAM 93ግዜ ምልክታት
GSAM 93.3ኣብቲ ዝሓለፈ ምዕራፍ፣ ብዛዕባ መወዳእታ ናይቲ 2300 መዓልትታት ዝኸውን ግዜ ፍልጠት ብኸመይ ከም እተረኽበ፣ እቲ ግዜ ድማ ክሳዕ «ሰዓት ፍርዱ» ከም ዝበጽሕ ርኢና ኢና። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ምስላ፣ እዚ ምስላን እቲ ናይ «ፍርዲ» መልእኽትን ንዓለም ኪእወጅ ጎይታ ዝመደቦ ግዜ ንርኢ። እቲ መድሓኒ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህዝቡ ኺወርድ ዝነበሮን «ኪሓጽር» ዝነበሮን ዓብዪ «ጸበባ» ምስ ተዛረበ፣ ከምዚ በለ፦ «ብድሕሪ ጸበባ እተን መዓልትታት ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት እያ፣ ወርሒ ድማ ብርሃና ኣይክትህብን እያ፣ ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ኪወድቁ እዮም፣ ሓይልታት ሰማያት እውን ኪናወጹ እዮም። ሽዑ ምልክት ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርአ እዩ።»3
GSAM 94.1ነቲ ኣብ መወዳእታ ዝተጠቕሰ ምልክት፣ ምልክት ምጽኣቱ እዩ ኸም ዘይብሎ ኣስተብህሉ፤ እኳ ደኣ ወዲ ሰብ ኣብኡ ኸም ዘሎን እናመጸ ኸም ዝርአን ዝገልጽ ምልክት እዩ። ኣብዚ ጥቕሲ እዚ፣ ምጽኣቱ ኸም ዝቐረበ እምነትና እነሰርተሎም ምልክታት ተባሂሎም ዝተዋህቡ ፍጻመታት፣ እቶም ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ዚርኣዩ ምልክታት እዮም። እቶም ብድሕሪኦም ዚስዕቡ ኻልኦት ፍጻመታት፣ ንሱ ብደበናታት ሰማይ ብሓቂ ኺመጽእ ከሎ ዚፍጸሙ እዮም። ስለዚ ብድሕሪ እቲ ሳልሳይ ምልክት፣ ማለት እቲ ኣብ ከዋኽብቲ ዝተራእየ፣ ብኡብኡ ጎይታ ምጽኣት ክርስቶስ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዝበጽሐ ዝምህሩ መምህራኑ ዘተንስኣሉ ግዜ ይበጽሕ።
GSAM 94.2ሕጂ ብዛዕባ እዞም ምልክታት ዝተራእዩሉ ግዜ ንርአ። ጸሓይ ብድሕሪ እቲ ጸበባ ብኡብኡ ኽትጽልምት ነበራ።4 ከምቲ ማርቆስ ዝጸሓፎ፣ «በተን መዓልትታት እቲኣተን፣ ብድሕሪ እቲ ጸበባ።» ኪኸውን ነበሮ።5 መድሓኒና እተን መዓልትታት ኪሓጽራ ኸም ዘለወን ተዛሪቡ ነበረ። ብኣዋጅ ማርያ ተሬዛን፣ ካብ 1773 ክሳዕ 1776 ብዝወጹ ሕግታት ሃይማኖታዊ ምጽውዋርን፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ብርቱዕ ስደት ሓጸረ። እቲ ሰዳዲ ሓይሊ ነቲ ሲቪላዊ ስልጣን ክሳዕ 1798 እኳ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ እንተ ኣጽንሖ፣ ስደቱ ግና ኣብ ከባቢ 1773 ተዛዚሙ ነበረ። ነቲ መድሓኒ ዝበሎ እንተ ኣነጻጸርናዮ፣ ካብዞም ምልክታት እቲ ቀዳማይ ኣብ መንጎ 1773ን 1798ን ከም ዝወዓለ የርኢ።
GSAM 94እታ ጸልማት መዓልትን ለይትን
GSAM 94.3ብ19 ግንቦት 1780፣ ጸሓይ ብልዕለ ባህርያዊ መገዲ ጸልመተት። ወርሒ ኣብታ ቅድሚኣ ዝነበረት መዓልቲ ምልእቲ ስለ ዝነበረት፣ እዚ ግርደት ጸሓይ ኣይነበረን። እንተኾነ ግና፣ ካብ ሰዓት 11 ናይ ንግሆ ክሳዕ ሰዓት 11 ናይ ለይቲ፣ ኣብ ኵሉ ሰሜናዊ ምብራቓዊ ኽፋል ሕቡራት መንግስታት ጸልማት ነበረ። በቲ እዋን እቲ፣ ጸሓይ ጥራይ ኣይኮነትን ዝጸልመተት፣ ወርሒ እውን ብርሃን ጸሓይ ኣየንጸባረቐትን። እቲ ጸልማት፣ ብርሃን ጸሓይ ኣብ ገጽ ወርሒ ኸይበርህ ዝኸልከለ ነበረ። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፣ ኖህ ዌብስተር ከም ዝበሎ፣ «ነዚ ጸልማት እዚ ዜዕግብ ምኽንያት ፈጺሙ ኣይተዋህበሉን።»
GSAM 95.1ሄርሸል፣ እቲ ሊቅ ስነ ፈለክ፣ ብዛዕባ እዛ ጸልማት መዓልቲ እዚኣ ኸምዚ በለ፦ «እታ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነበረት ጸልማት መዓልቲ፣ ካብቶም ኵሉ ግዜ ብተገዳስነት ዚንበቡ፣ ፍልስፍና ግና ኪገልጾም ዚስእን ዘገርሙ ባህርያዊ ፍጻመታት ሓደ ነበረት።»
GSAM 95.2እቶም ጸልማት ለይቲ 19 ግንቦት 1780 ዝገለጹ፣ ወርሒ ምልእቲ እኳ እንተ ነበረት፣ «ኣብ መላእ ፍጥረት ዘሎ ብርሃን ዚህብ ነገር ኵሉ ካብ ህላወ እንተ ዚጠፍእ እኳ፣ እቲ ጸልማት ካብዚ ዝያዳ ምሉእ ኪኸውን ኣይምኸኣለን» በሉ።
GSAM 95ምውዳቕ ከዋኽብቲ
GSAM 95.3ካብዞም ምልክታት እቲ ሳልሳይ፣ ማለት ምውዳቕ ከዋኽብቲ፣ ብ13 ሕዳር 1833 ተፈጸመ። በታ ለይቲ እቲኣ፣ ወይ ብዝበለጸ ኣዘራርባ፣ ካብ 5 ሰዓታት ቅድሚ ወጋሕታ ጀሚሩ፣ ዝናብ ተወርወርቲ ከዋኽብቲ ነበረ። ገሊኦም ካብ ሰማይ ምስ ዚወርድ ውሕጅ ሓዊ፣ ገሊኦም ድማ ካብ ዓብዪ መርኣያ ርችት ምስ ዚፍንጠር ቍልዒ ሓዊ ኣመሳሰልዎ። እዚ ፍጻመ እዚ፣ ካብ ወሽመጥ መክሲኮ ብደቡብ ክሳዕ ወሽመጥ ሃድሰን ብሰሜን፣ ካብ ደሴታት ሳንድዊች ብምዕራብ ክሳዕ ካብ ሊቨርፑል ገለ ኣማኢት ማይላት ጥራይ ዝርሕቕ ቦታ ብምብራቕ፣ ንዅላ ሰሜን ኣሜሪካ ሸፈነ። ኣብ ኵሉ ዝተራእየሉ፣ ከምቲ ኣብ ማዕበል በረድ ዚወርድ ቍርጽራጽ በረድ ብዕጽቕጽቕ ዚወድቕ፣ ተመሳሳሊ ዘየቋርጽ ዝናብ ከዋኽብቲ ነበረ።
GSAM 95.4ብዛዕባ እዚ ናይ 1833 ዝናብ ከዋኽብቲ፣ ካብታ ብ25 ሕዳር 1833 ዝወጸት «ተዓዛቢ ኮነቲከት» እውን ከምዚ ንጠቅስ፦
GSAM 95.5«ኣሰናዳኢ እታ “ኣረጊት ገጠራዊ” እትብሃል ጋዜጣ፣ ነቲ “ምውዳቕ ከዋኽብቲ” ከም ኣዝዩ ኸቢድ ጉዳይ ይርእዮ። ከምዚ ይብል፦ “እቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ንግሆ ዝረኣናዮ ዝናብ ሓዊ፣ ሻድሻይ ማሕተም ምስ ዚኽፈት ነበርቲ ምድሪ ዚርእይዋ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ ዜርኢ ዜሰክሕ ምሳሌ፣ ርጉጽ ቀዳሚ መጠንቀቕታን ብምሕረት ዝተዋህበ ምልክትን እዩ ንብል ኣሎና። እቲ ግዜ ኣዝዩ ቐሪቡ እዩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን እውን ተገሊጹ ኣሎ። ብርቱዕ ንፋስ ምስ ሃረማ፣ ፍረኣ እተውድቕ ኦም በለስ ካብዚ ዝያዳ ብልክዕ ዜርኢ ምስሊ ክትርኢ ኣይከኣልን ነበረ።”»
GSAM 96ትንቢት ቶማስ በርነት
GSAM 96.1እቶም ኣብ ቀደም ዝነበሩ፣ ህዝቢ ነዚ ምልክት እዚ ብቓሉ ኸም ዚፍጸም ኪጽበዮ ምሂሮምዎ ነበሩ። ቶማስ በርነት፣ ኣብታ ብ1697 ዓ.ም. ኣብ ለንደን ዝተሓትመት «ክልሰ ሓሳብ ምድሪ» ዝተባህለት መጽሓፉ፣ ብዛዕባ ማቴዎስ 24:29 ከምዚ በለ፦
GSAM 96.2«በቲ ግዜ እቲ ኵሉ ዓይነት እሳታዊ ተወርወርቲ ነገራት ከም ዚህልዉ ምንም ጥርጥር የልቦን። ካብኣቶም ድማ እቶም ዚወድቁ ከዋኽብቲ ዚብሃሉ ኪህልዉ እዮም። እዚኣቶም በበይኖም እንተ ተራእዩ ዓብዪ ትርጉም እኳ እንተ ዘይብሎም፣ ከምቲ ነብዪ ዝበሎ፣ ከም ቈጽሊ ኻብ ተኽሊ ወይኒ፣ ወይ ከም ፍረ ኻብ ኦም በለስ፣ ኣዝዮም በዚሖም እንተ ዚወድቁ፣ ዜገርም ትርኢት ምፈጠሩ ነይሮም።... ነዚ ኸም እተጋነነ ወይ ግጥማዊ ኣዘራርባ ኽንርእዮ ኣየድልየናን እዩ፤ እኳ ደኣ ኸም ግልጺ ትንቢታትን ብቓሎም ኪፍጸሙ ዘለዎም ነገራትን ክንርእዮ ኣሎና።»
GSAM 96ምስክርነት ፕሮፌሰር ኦልምስተድ
GSAM 96.3እቲ ኣብ ማሳቹሰትስ ኣብ ኮለጅ የይል ዝነበረ፣ «ኣብ ኣሜሪካ ዝዓበየ ሊቅ ስነ ኣየር» ተባሂሉ ዝተጸውዐ ፕሮፌሰር ኦልምስተድ፣ ብዛዕባ እቲ ብ13 ሕዳር 1833 ዝነበረ ምውዳቕ ከዋኽብቲ ከምዚ በለ፦
GSAM 96.4«እቲ ናይ 1833 ዝናብ ከዋኽብቲ፣ ካብ ማእከል ኣትላንቲክ ብምብራቕ ክሳዕ ፓሲፊክ ብምዕራብ፣ ካብ ሰሜናዊ ገማግም ደቡብ ኣሜሪካ ክሳዕ ኣብ ሰሜን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበሩ ዶቦም ዘይተወሰነ ኸባቢታት፣ ንዓብዪ ኽፋል ገጽ ምድሪ ዚሽፍን ነበረ። እቲ ትርኢት ተወርወርቲ ከዋኽብቲ ይርአ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ኵሉ ቦታ እውን ሓደ ዓይነት ትርኢት ነበሮ።»
GSAM 96.5ብዛዕባ እዚ ብ12 ሕዳር ኣብ ከባቢ ሰዓት 11 ናይ ለይቲ ዝጀመረ፣ ክሳዕ ከባቢ ሰዓት 4 ናይ ንግሆ ብ13 ድማ ዝቐጸለ ትርኢት፣ እቲ ፕሮፌሰር ከምዚ ይብል፦
GSAM 96.6«እቶም ብ13 ሕዳር 1833 ንግሆ ነቲ ትርኢት ተወርወርቲ ከዋኽብቲ ኺርእዩ ዝተዓደሉ፣ ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ፣ ወይ እንተ ወሓደ ኣብቲ ገጻት ታሪኽ ዝዘከርዎ ዘመናት፣ ካብ ዝተራእየ ዅሉ ዝዓበየ ሰማያዊ ርችት ሓዊ ርእዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።»
GSAM 97እቲ ዝናብ ከዋኽብቲ ኣብ ኤውሮጳ እውን ተራእየ
GSAM 97.1ለኦናርድ ሃይንሪኽ ኬልበር ብ1835 ኣብ ሽቱትጋርት፣ ጀርመን፣ ካብ ዘሕተሞ መጽሓፍ፣ እዚ ምልክት እዚ ኣብቲ ኻልእ ወገን ኣትላንቲክ፣ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ግናኸ ድሕሪ ገለ መዓልትታት፣ ከም እተደግመ ንፈልጥ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦
GSAM 97.2«ብ25 ሕዳር 1833 ኣብ ኣህጉር ኤውሮጳ ጽቡቕ ትርኢት ዚወድቁ ከዋኽብቲ ነበረ፣» ከምኡውን፣ «ኣብ ሚንስተርቡርግ፣ ሲሌዝያ፣ ከዋኽብቲ ኸም ዝናብ ሓዊ ወደቑ። ምስኣቶም ድማ ኲዕሶታት ሓዊ ወደቑ፤ ነታ ለይቲ ኣዝዮም ስለ ዘብርህዋ፣ እቶም ሰባት፣ ኣብ ጥቓኦም ዘለዉ ኣባይቲ ብሓዊ ይነድዱ ኣለዉ ኢሎም ሓሰቡ።
GSAM 97.3«ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ፕሪን፣ ኦስትርያ፣ ልዕሊ 500 ትርብዒት ማይላት ዝስፍሓቱ ቦታ ዝሸፈነ ምውዳቕ ከዋኽብቲ ነበረ። ገሊኦም ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ ውሕጅ ሓዊ ገሊጾምዎ። ገሊኦም ድማ ዝናብ ሓዊ ኢሎም ሰመይዎ። ኣፍራስ ብእኡ ፈሪሆም ኣብ መሬት ወደቑ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ብፍርሂ ሓመሙ።»
GSAM 97ኣተገባብራ እቲ ምስላ
GSAM 97.4ነዚ መስመር ትንቢት ተኸቲልና፣ ብድሕሪ ምፍጻም እቲ ሳልሳይ ምልክት፣ ማለት ምውዳቕ ከዋኽብቲ፣ መድሓኒና፣ «ሕጂ ኻብ ኦም በለስ ምስላ ተምሃሩ» ይብል። እዚ ቓል እዚ፣ ነቲ ጎይታና እዚ መደረ እዚ ኺህብ ከሎ ብህይወት ዝነበረ ወለዶ ኣይምልከትን እዩ፤ እኳ ደኣ ነዚ ነገራት እዚ ተፈጺሙ ዚርእዮ ወለዶ እዩ ዚምልከት፤ እናተፈጸመ ዘይኮነስ፣ ተፈጺሙ። እቶም ክርስቶስ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዘሎ ዜመልክቱ ኪፍጸሙ ዝነበሮም ነገራት፣ ነቲ ንሱ ብሓቂ እናመጸ ኺርአ ኸሎ ዚኸውን ምንዋጽ ሰማያት ኣየጠቓልሉን እዮም። እዞም ምጽኣቱ ኸም ዝቐረበ ዜርእዩ ምልክታት፣ ነዚ ሳልሳይ ምልክት፣ ነቲ ኣብ ከዋኽብቲ ዝተራእየ፣ የጠቓልሉ እዮም። ጎይታ ህዝቢ ኻብ ኦም በለስ ምስላ ኺመሃሩ ዝመደቦ ግዜ፣ ብድሕሪ 1833 ይጅምር። ምጽኣቱ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዝበጽሐ፣ እቲ ምስላ ዚሰምዕ ወለዶ ቅድሚ ምሕላፉ ድማ ከም ዚመጽእ፣ ዓለም ነዚ ዓብዪ ሓቂ እዚ ኽትነቅሕ ጎይታ ዝመደቦ ግዜ እዚ እዩ። ስለዚ፣ እቲ ዓብዪ ኣዋጅ ምጽኣት ንዓለም ዚወሃበሉ ግዜ ኣብዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ከም ዝተመልከተ ንርኢ።
GSAM 98ንዅላ ዓለም ዝበጽሐ ኣዋጅ
GSAM 98.1እዚ ትንቢት እዚ ኺፍጸም ከሎ፣ ልክዕ ኣብቲ እዋን እቲ፣ ብ1833፣ ጎይታ ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ዓለም ልኡኻቱ ወይ ኣገልገልቱ የተንስእ ከም ዝነበረ ንረክብ። ንሳቶም ካብ 1833 ክሳዕ 1844፣ ምጽኣት ክርስቶስ ከም ዝቐረበ፣ «ኣብ ኣፍ ደገ እኳ» ኸም ዝበጽሐ ኣወጁ። ከምቲ ንሱ ዝኣዘዞም፣ ናብዞም ምልክታት ምጽኣቱ እናኣመልከቱ፣ ምስላ ኦም በለስ መሃሩ። እዚ መልእኽቲ እዚ፣ ብህያው መምህር ወይ ብሕትመት ኣቢሉ፣ ናብ ኵሉ ኣብ ዓለም ዘሎ መደበር ወንጌላዊ ተልእኾን ናብ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወደብን በጽሐ።
GSAM 98.2ኣሰናዳኢ እታ ኣብ ሮቸስተር፣ ኒው ዮርክ፣ እትወጽእ «ድምጺ ሓቂ»፣ ኣብቲ ናይ ጥሪ 1845 ሕታም፣ እቲ መልእኽቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝተዘርግሐ ብንጹር ከምዚ ገለጸ፦
GSAM 98.3«እቲ ኣብ ራእይ 14:6, 7 ዝተገልጸ ዘለኣለማዊ ወንጌል፣ ንዅሉ ህዝብን ዓሌትን ቋንቋን ወገንን ተሰቢኹ እዩ። ብዓብዪ ድምጺ ድማ፣ “ሰዓት ፍርዱ በጺሓ እያ እሞ፣ ንኣምላኽ ፍርህዎ፣ ክብሪ ድማ ሃብዎ። ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ኸኣ ስገዱሉ፣” ይብል። እዚ መልእኽቲ እዚ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዝየን ውሑዳት ዓመታት፣ ክርስቶስ ብ1843 [1843 ብኣቆጻጽራ ኣይሁድ፣ ብኣቆጻጽራና ድማ 1844] ወይ ኣብ ቀረባ ኸም ዚመጽእ ብምስባኽ፣ ናብ ኵሉ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ህዝብን ቋንቋን ከም ዝበጽሐ፣ ካብዚ ንላዕሊ ብጭቡጥ ነገራት ብንጹር ኪረጋገጽ ዚኽእል ጉዳይ የልቦን። ብመደረታትን ሕትመታትን ኣቢሉ፣ ድምጹ ናብ ኵላ ምድሪ፣ ቃላቱ ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም በጺሑ እዩ።»
GSAM 98.4ገሊኦም ነቲ ጭቡጥ ነገራት ዘይፈልጡ ሰባት፣ ምንቅስቓስ ዳግማይ ምጽኣት ኣብ ሓደ ኸባቢ ጥራይ ከም ዝተወሰነ ርእዮምዎ እዮም። ምስ ዊልያም ሚለርን፣ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ሕቡራት መንግስታት ምስኡ ዝሰርሑ ገለ ኣማኢት ኣገልገልትን ዝተኣሳሰረ ዕዮ ኸም ዝኾነ ይሓስቡ። እቲ ሽማግለታት ሚለርን ሃይምዝን ፍሉጣት መራሕቱ ዝነበሩ ምንቅስቓስ ኣብ ኣሜሪካ፣ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፣ «ክሳዕ ወሰናት ምድሪ» ካብ ዝበጽሐ ዓብዪ ምንቅስቓስ፣ ንእሽቶ ኽፋል ጥራይ ምንባሩ ኺፈልጡ ኸለዉ፣ ነዚኣቶም ኬገርሞም ይኽእል እዩ።
GSAM 99እቲ ምንቅስቓስ ኣብ እተፈላለዩ ህዝብታት ብኸመይ ጀመረ
GSAM 99.1እዚ ኣዋጅ እዚ ናብ ዓለም ኪወጽእ ጎይታ ዝመደቦ ግዜ በጽሐ። ኣብ ከባቢ ሓደ ግዜ፣ ኣብ 20 ወይ ልዕሊኡ እተፈላለዩ ኽፋላት ምድሪ፣ ነንሓድሕዶም ዕዮ ኻልኦት ከይፈለጡ፣ እዚ መልእኽቲ እዚ ናብ ኵሉ ኽፋላት ምድሪ ኬስምዑ ዝወጹ ሰባት ተተንስኡ። እቶም ብዛዕባ መወዳእታ 2300 መዓልትታት ብርሃን ዝተቐበሉ፣ ኣብ ምዕራፍ 4 ዝተጠቕሱ ሰባት፣ ብዘይካ ሓደ፣ ኤ. ካምቤል፣ ኵሎም ነቲ ኣብ ራእይ 14 ዘሎ መልእኽቲ ቀዳማይ መልኣኽ ኣብ ምእዋጅ ኪሳተፉ ተደረኹ። እዚ እውን ብቐጥታ ብዕዮ መንፈስ ኣምላኽ እምበር፣ እቲ ብርሃን ነንሓድሕዶም ብምትሕልላፍ ኣይነበረን።
GSAM 99ምስ ተሃድሶ ምንጽጻር
GSAM 99.2ነዚ ምንቅስቓስ እዚ፣ በቲ ዶቢኜ ኣብ ምትንሳእ እቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ዓብዪ ተሃድሶ ዝተጠቕመሉ መለክዒ እንተ መዘንናዮ፣ ብርግጽ ከም መልእኽቲ ጎይታ፣ ኣብቲ ጎይታ ዝመደቦ ግዜ ዝመጸ፣ ኪቝጸር ኣለዎ። እቲ ጸሓፍ ታሪኽ፣ ብዛዕባ እቲ ተሃድሶ ብጠቕላላ ኸምዚ በለ፦
GSAM 99.3«ጀርመን ነቲ ሓቂ ናብ ስዊዘርላንድ ኣየመሓላለፈቶን፣ ስዊዘርላንድ ናብ ፈረንሳ፣ ፈረንሳ ድማ ናብ እንግሊዝ ኣየመሓላለፋኦን። ከምቲ ሓደ ኽፋል ዓለም ንብርሃን ናብ ካልእ ክፋል ዘየመሓላልፎ፣ እቲ ሓደ ዚበርህ ክቡብ ኣካል ግና ንዅላ ምድሪ ብቐጥታ ብርሃኑ ዚህባ፣ እዘን ሃገራት እዚኣተን ኵለን ነቲ ሓቂ ኻብ ኣምላኽ ተቐበላኦ። ክርስቶስ፣ እቲ ኻብ ላዕሊ ዝወጸ ብርሃን ወጋሕታ፣ ካብ ኵሉ ደቂ ሰብ ብዘይ መወዳደሪ ልዕል ዝበለ፣ ከምቲ ኣብ ምምስራት ክርስትና፣ ኣብ ዘመን ተሃድሶ እውን ንዓለም ህይወት ዝሃበ መለኮታዊ ሓዊ ነበረ። ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን፣ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ኣባይትን ኣብያተ ክርስቲያንን ናይቶም ኣዝዮም ዝተረሓሓቑን እተፈላለዩን ህዝብታት፣ ኣብ ሓደ ግዜ ተመስረተ። ምኽንያቱ፣ እቲ ሓደ መንፈስ ኣብ ኵሉ ቦታ እናሰርሐ፣ ሓደ ዓይነት እምነት ይፈጥር ስለ ዝነበረ እዩ።
GSAM 99.4«ተሃድሶ ጀርመንን ናይ ስዊዘርላንድን ነዚ ሓቂ እዚ የርእዩ። ዝዊንግሊ ምስ ሉተር ርክብ ኣይነበሮን። ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሰባት እዚኣቶም ዜተኣሳስር ነገር ከም ዝነበረ ጥርጥር የልቦን፤ ግናኸ ንእኡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽንደልዮ ኣሎና። እቲ ኻብ ሰማይ ንሉተር ሓቂ ዝሃቦ፣ ንዝዊንግሊ እውን ሃቦ። ኣምላኽ ኣብ መንጎኦም መራኸቢ ነበረ። ዝዊንግሊ ኸምዚ ይብል፦ “ወንጌል ክሰብኽ ዝጀመርኩ ኣብ ዓመተ ጸጋ 1516 እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ስም ሉተር ኣብ ሃገርና ገና ፈጺሙ ኣብ ዘይተሰምዓሉ ግዜ እዩ። ትምህርቲ ክርስቶስ ካብ ቃል ኣምላኽ እምበር፣ ካብ ሉተር ኣይተመሃርኩን። ሉተር ንክርስቶስ እንተ ዚሰብኽ፣ እቲ ኣነ ዝገብሮ እዩ ዚገብር፤ እቲ ጉዳይ ክንድኡ ጥራይ እዩ።”»6
GSAM 100.1እቲ ጸሓፍ ታሪኽ፣ ብዛዕባ ዕዮ ፋረልን ለፌቭርን ኣብ ፈረንሳ ኺዛረብ ከሎ፣ ከምዚ ይብል፦
GSAM 100.2«ስለዚ፣ ተሃድሶ ፈረንሳ ካብ ወጻኢ ዝኣተወ ኣይነበረን። ኣብ መሬት ፈረንሳ እዩ ተወሊዱ፤ ኣብ ፓሪስ በቘለ፤ ቀዳማይ ሱሩ ድማ ኣብቲ ኣብ ዓለም ሮማዊ ክርስትና ካልኣይ ሓይሊ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ ባዕሉ ሰደደ። ኣብ ዝዀነት ካልእ ሃገር ቅድሚ ምጅማሩ፣ ኣምላኽ ንመሰረታት እቲ ዕዮ ኣብ ቅኑዕ ልቢ ሰባት ፒካርዲን ዶፊኔን ኣንበሮም።
GSAM 100.3«እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበረ ተሃድሶ፣ ካብቲ ኣብ ጀርመን ዝነበረ ተሃድሶ ነጻ ኸም ዝነበረ ርኢና ኢና። ተሃድሶ ፈረንሳ ብግዲኡ ኻብ ክልቲኡ ነጻ ነበረ። ኣብዘን እተፈላለያ ሃገራት፣ ነንሓድሕደን ምንም ርክብ ከይሃለወን፣ እቲ ዕዮ ኣብ ሓደ ግዜ ጀመረ። ከምቲ ኣብ ውግእ፣ ኵሎም እተፈላለዩ ኽፍልታት ሓደ ሰራዊት፣ ሓደ ነቲ ኻልእ ኪስጉም ከይነገሮ፣ ኣብ ሓደ ቕጽበት ዚንቀሳቐሱ እዩ። ምኽንያቱ፣ ካብቲ ሓደ ጠቕላሊ ኣዛዚ ዝወጸ ሓደ ትእዛዝ፣ ኵሎም ይሰምዕዎ እዮም። እቲ ግዜ በጺሑ ነበረ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ተዳልዩ ነበረ፤ ኣምላኽ ከኣ ተሃድሶ ቤተ ክርስቲያኑ ኣብ ኵለን ሃገራት ኣብ ሓደ ግዜ ጀመረ። ከምዚ ዝበሉ ጭቡጥ ነገራት፣ እቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ዓብዪ ተሃድሶ፣ መለኮታዊ ዕዮ ኸም ዝነበረ የርእዩ።»7
GSAM 100.4ዶቢኜ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ እንግሊዝ ብቶማስ ቢልኒን፣ ፍሪትን፣ ቲንደይልን ካልኦትን ዝተኻየደ ተሃድሶ፣ ወሲኹ ኸምዚ ይብል፦
GSAM 100.5«ስለዚ፣ ተሃድሶ እንግሊዝ፣ ካብ ኣምላኽ ጥራይ ተቐቢሉ፣ ካብ ሉተርን ዝዊንግሊን ነጻ ዀይኑ ጀመረ። ኣብዘን ሃገራት ክርስትና ዅለን፣ እቲ መለኮታዊ ቓል ኣብ ሓደ ግዜ ይዓዪ ነበረ። መበገሲ ተሃድሶ ኣብ ኦክስፎርድን ከምብሪጅን ለንደንን፣ እቲ ኤራስሙስ ዘሕተሞ ብግሪኽ ዝተጻሕፈ ሓድሽ ኪዳን እዩ ነይሩ። [ቲንደይልን ቶማስ ቢልኒን ብ1519 ካብ ከምብሪጅ ወጹ።] እንግሊዝ በዚ ኽቡር መበገሲ ተሃድሶ እትኾርዓሉ መዓልቲ በጽሐ።»8
GSAM 101.1ኣዋጅ ምጽኣት፣ ምስቲ ኣቐዲሙ ኣብ ታሪኽ ተሃድሶ ዝተገልጸ ዚመሳሰል ኣገባብ እዩ ተላዒሉ። ካብተን ኣብ ተሃድሶ ዝተጠቕሳ 4 ሃገራት ብብዝሒ ኻብ 4 ዕጽፊ ንላዕሊ ኣብ ዚዀኑ ኽፋላት ዓለም፣ ሰባት ብዛዕባ ሓድሕዶም ምንም ከይፈለጡ፣ ሓሳባቶም እውን ከይተለዋወጡ፣ ኣብ ሓደ ግዜ ኺወጹ ተደረኹ። ነቶም ሓደ ዓይነት ሓቅታት ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ፣ ኣብ 4 ሃገራት ምድሪ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንዅላ ስልጥንቲ ዓለም ኪእውጁ ጀመሩ።
GSAM 101ጻዕርታት ጆሰፍ ዎልፍ
GSAM 101.2ኣብዚ ነጥቢ እዚ፣ ኣዋጅ ምጽኣት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተዘርግሐ ዚምልከቱ ሓቅታት ምስትውዓል ጽቡቕ እዩ፦
GSAM 101.3“ብ1831 ጆሰፍ ዎልፍ፣ D.D.፣ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ፍልስጤም ኪሰርሕ ከም ወንጌላዊ ልኡኽ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ተላእከ። ከምቲ መዓልታዊ መዘክራቱ ዚሕብርዎ፣ ክሳዕ 1845 ንቕልጡፍ ምጽኣት ጐይታ ኣብ ፍልስጤም፣ ግብጺ፣ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ መሶጶጣምያ፣ ክሪምያ፣ ፋርስ፣ ጆርጅያ፣ ኣብ መላእ ግዝኣት ዑስማን፣ ኣብ ግሪኽ፣ ዓረብ፣ ቱርኪ፣ ቡኻራ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ካሽሚር፣ ሂንዱስታን፣ ቲቤት፣ ኣብ ሆላንድ፣ ስኮትላንድ፣ ኣየርላንድ፣ ኣብ ቁስጥንጥንያ፣ የሩሳሌም፣ ሴንት ሄለና፣ ከምኡውን ኣብ መራኽብ ባሕሪ መዲተራነያንን ኣብ ከተማ ኒው ዮርክን፣ ንዅሎም ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ኣወጀ። ኣብ መንጎ ኣይሁድ፣ ቱርካውያን፣ ኣስላም፣ ፓርሲያውያን፣ ሂንዱውያን፣ ከለዳውያን፣ የዚድያውያን፣ ሶርያውያንን ሳብያውያንን፣ ንፓሻታት፣ ሼኻት፣ ሻሃት፣ ንነገስታት ኦርጋንችን ቡኻራን፣ ንንግስቲ ግሪኽን ንኻልኦትን ከም ዝሰበኸ ይገልጽ።”9
GSAM 101.4ኣብታ ዘርኢ ሖባብ፣ ሓሙ ሙሴ፣ ዚነብሩላ ከባቢ የመን፣ ጆሰፍ ዎልፍ ሓደ መጽሓፍ ረኣየ፣ ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ዓረብ እዚ ቦታ እዚ፣ ብዛዕባ ‘ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስን ብኽብሪ ምንጋሱን!’ ዚገልጽ፣ ‘ሲራ’ ዚብሃል መጽሓፍ ኣለዎም።”10
GSAM 102.1ኣብ የመን ምስ ሬካባውያን ሽዱሽተ መዓልቲ ጸንሐ፤ ብዛዕባኦም ድማ ከምዚ ይብል፦ “ወይኒ ኣይሰትዩን፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይተኽሉን፣ ዘርኢ ኣይዘርኡን፣ ኣብ ድንኳናት ይነብሩ፣ ቃላት ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ከኣ ይዝክሩ። ምስኦም ድማ ኣብ ሓድራማውት፣ ጥቓ ተሪም ዚነብሩ ደቂ እስራኤል፣ ካብ ነገድ ዳን፣ ነበሩ። ንሳቶም ከም ደቂ ሬካብ፣ መሲሕ ብደበናታት ሰማይ ቀልጢፉ ኪመጽእ ይጽበዩ እዮም።”
GSAM 102.2ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፣ ኣብተን ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ዎልፍ ባዕሉ ምጽኣት ክርስቶስ ኣብ ኣፍ ደገ ከም ዝበጽሐ ዚሕብር ወረ ኣብ ልዕሊ ዕስራ እተፈላለያ ሃገራት ከም ዝኣወጀ ንርኢ። ኣብቲ ግዜ እቲ እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ጀርመን፣ ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኣብ መንጎ ሞራቭያውያን፣ ብሰፊሑ ይዝተየሉ ነበረ።
GSAM 102መልእኽቲ ኣብ ጀርመንን ሩስያን
GSAM 102.3ሙራንት ብሮክ ዚብሃል እንግሊዛዊ ጸሓፊ፣ “ኣብ ዉርተምበርግ፣ ቍጽሮም ብኣማኢት ዚቝጸር፣ ቕልጡፍ ምጽኣት ክርስቶስ ዚጽበዩ ክርስትያናት ዝነበርዎ ሰፈር ነበረ” ኢሉ ይሕብረና። ኣብ ካልኦት ክፋላት ጀርመን ድማ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጀርመን እቲ ዝበለጸ ክእለት ዘለዎ ሊቅ መለኮት ከም ዝነበረ ዚንገረሉ ሄንግስተንበርግ ነቲ ትምህርቲ ኣወጆ።
GSAM 102.4ናይ ጀርመን ፓስተር ኤል. ኣር. ኮንራዲ፣ ኣብ ክለሳን ኣዋጅን ናይ 13 ታሕሳስ 1892 ከምዚ ይብል፦
GSAM 102.5“ኣብ ጀርመን፣ ቤንገል ኣብ ልቢ ብዙሓት ሰባት ንምግላጽ ጐይታና ዚኸውን ፍቕሪ ኣንደደ፤ እዚ ድማ ኣሽሓት ሰባት ከም ቅድሚኡ ዘይገበርዎ፣ ቃል ትንቢት ኪመሃሩ መርሖም።... ብርሃን ኣብ ጀርመን በርሀ፣ ትርጕም 2300 መዓልትታት ዚገልጹ ጽሑፋት ድማ ኣብኣ ተዘርግሑ። ብፍላይ ኣብ ዉርተምበርግ፣ ሃይማኖታዊ ምንቕቓሕ ሰዓበ፤ ስደት ምስ ተላዕለ ከኣ፣ ብኣማኢት ዚቝጸራ ስድራቤታት ናብ ደቡብ ሩስያ ከዳ። ኣብኡ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ብዙሕ ዓመታት ኣቐዲሞም ናብኡ ዝገዓዙ ደቂ ሃገሮም ነቲ ትምህርቲ ዘርግሕዎ። ፓስተራት፣ ብዘይካ ኣዝዮም ሒደት፣ ኣብያተ ክርስቲያኖም ስለ ዝዓጸዉሎም፣ ኣብ ብሕታዊ ኣባይቲ ‘ሽቱንደን’፣ ማለት ‘ሰዓት’ ኣኼባ፣ ይገብሩ ነበሩ፤ ኣማኢት ሰባት ድማ ተመልሱ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ብዛዕባ ሰንበት ኣብ መንጎኦም ተዘርበ፣ ግና ዚጅምር ሰብ ስለ ዘይነበረ፣ እቲ ጕዳይ ተዳፈነ። ሓደ ሩስያዊ ሓረስታይ ኣብ ‘ሽቱንደን’ ተመልሰ፣ ድሕሪኡ ድማ ኣብ መንጎ ሩስያውያን እቲ ተመሳሳሊ ስራሕ ጀመረ። እዚ ከኣ ኣብ መወዳእታ፣ ጽልዋኡ ክሳዕ እቲ ዝረሓቐ ዅርናዕ ሳይቤርያን ስግር ቃውቃዝን ዚበጽሕ፣ ናብቲ ዓብዪ ናይዚ ዘመን ‘ሽቱንዲስት’ ምንቅስቓስ መርሐ።”
GSAM 103.1ኣብ ክለሳን ኣዋጅን ናይ 31 ሓምለ 1891፣ ብዛዕባ ሓው ሻኸ ናይ ኣውስትራልያ፣ ካብ ፓስተር ኮንራዲ ዝመጸ መግለጺ ኣሎ። ሓው ሻኸ፣ ኣብቲ ዚዛረበሉ ግዜ፣ ኣብ ሲሌዝያ ይነብር ነበረ፣ ገለ ካብ ግዜኡ ድማ ኣብቲ ኣባ ጎስነር ዚብሃል ፍሉጥ ጀርመናዊ ወንጌላዊ ሊቅ ዚመርሖ ናይ ውሽጢ ሃገር ተልእኾ ይሰርሕ ነበረ። ካብ ሓው ሻኸ፣ ብዛዕባ መጽሓፍ ከልበር እዚ ዚስዕብ ይጠቅስ፦
GSAM 103.2“ድሕሪ 1836፣ ወይ ከኣ እቲ ቤንገል ዝቘጸሮ ግዜ ምስ ሓለፈ፣ ኣብ ጋዜጣ ኣውራጃ ሽዋይድኒትዝ፣ ካብቲ ኣብኡ ዝነበረ ድኳን መጻሕፍቲ ኣቶ ሶመርፈልት፣ ብዛዕባ ሓደ ኤል. ሄንሪ ከልበር ዝጸሓፎ መጽሓፍ ምልክታ ወጸ። እቲ መጽሓፍ ብዛዕባ እቶም ብ1843ን 1844ን ኪፍጸሙ ዝነበሮም ዓበይትን ዜሐጕሱን ፍጻመታት ዚገልጽ ነበረ። እቲ ልክዕ ኣርእስቲ መጽሓፍ ኣይዝክሮን እየ። ነቲ መጽሓፍ ኣምጺእና፣ ብ1839-40፣ ምስ ሓያሎ ተገደስቲ፣ ማዕጾታት ብምዕጻው ኣንበብናዮ። እቲ መጽሓፍ ካብ ዳንኤልን ራእይን ማቴዎስ 24ን፣ መወዳእታ ከም ዝቐረበ የርኢ ነበረ። ናብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዕለት ከመይ ከም ዝተበጽሐ ዜርኢ ሰንጠረዥ ስሌት እውን ነበሮ።”
GSAM 103መልእኽቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ
GSAM 103.3ኣብ ሓደ ሽሕ ዓመት ዚብል እንግሊዛዊ ጽሑፍ፣ “ሸውዓተ ሚእቲ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን እንግሊዝ፣ ብዛዕባ ምምላስ ተበጃዊ ጭድርታ የስምዑ ነበሩ” ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ። ካብ 1840 ክሳዕ 1844 ኣብ እንግሊዝ ትምህርቲ ምጽኣት ዝኣወጁ፣ ገለ ካብቶም ናይቲ ዘመን ዝበለጸ ክእለት ዝነበሮም ኣገልገልቲ ነበሩ። ካብኣቶም ኣስማት ቢከርስተት፣ በርክስ፣ ብሩክስ፣ ብሮክ፣ ሃበርሾን፣ ፕሊን፣ ፍሪማንትል፣ ናታን ሎርድ፣ ማክኒል፣ ዊንተርስ፣ ካሚንግስ፣ ጄ. ኤ. ማክኮል፣ D.D.፣ ዶክተር ኒስበት፣ ቀሺ ኤ. ዳላስ፣ M.A.፣ [ኣብቲ ናብ የሩሳሌም ጠምት ዚብል መጽሓፉ፣ ገጽ 114፣ ንምሳሌ ማቴዎስ 24 ኣብዚ ወለዶ የውዕሎ]፣ በርጀስ፣ ሩተን፣ ጋነር፣ ባርከር፣ ቦነም፣ ዲልትሪን ካልኦትን ክንጠቅስ ኢና።
GSAM 104መልእኽቲ ኣብ ሆላንድ
GSAM 104.1ትምህርቲ ዳግማይ ምጽኣት ኣብ ሆላንድ ብሄንትዘፔተር ተኣወጀ፤ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብታ ሃገር እቲ ዝበለጸ ክእለት ዘለዎ ኣገልጋሊ ከም ዝነበረ ይንገረሉ። ብሹመት ንጉስ፣ ሓላው ንጉሳዊ ቤተ መዘክር ኣብ ዘ ሄግ ነበረ። ኣብ ሰነ 1844 ናብ ኣሰናዳኢ ጭድርታ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፣ ብዛዕባ ርእሱ፣ መጀመርታ ትዅረቱ ናብዚ ጕዳይ ዝተመልሰ ብሓደ ኣዝዩ ዝጸለዎ ሕልሚ ምዃኑ ይገልጽ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ቅዱሳት ጽሑፋት መርመረ፣ ብ1830 ድማ ነቲ ትምህርቲ ዚገልጽ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣሕተመ። ብ1841 ከኣ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ካልእ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣሕተመ። ኣብቲ ደብዳበ እቲ፣ ብዛዕባ ዊልያም ሚለርን እቶም ክርስቶስ ንምምጻእ ከም ዝቐረበ ብግልጺ ዚእውጁ ዝነበሩ ካልኦትን፣ መጀመርታ ሓበሬታ ዝረኸበ ብ1842፣ ምስ ሓደ ካብ ኣመሪካ ናብ ሆላንድ ዝመጸ ሰብ ብምዝርራብ ከም ዝነበረ ይብል።
GSAM 104መልእኽቲ ኣብ ታርታርያ
GSAM 104.2ገና ብ1821፣ ትምህርቲ ምጽኣት ጐይታ ኣብ ታርታርያ ይእመነሉን ይምሃርን ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ኣየርላንዳዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ናብታ ሃገር ተላእከ፣ ሓደ ታርታራዊ ካህን ድማ፣ “ክርስቶስ ንኻልኣይ ግዜ መዓስ ኪመጽእ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ከኣ ብዛዕባኡ ፈጺሙ ሓንቲ ከም ዘይፈልጥ መለሰ። እቲ ካህን ድማ፣ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህሮም ካብ ዝመጸ ልኡኽ ከምዚ ዝበለ መልሲ ብምስማዑ ኣዝዩ ተገረመ፣ “መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ዝዀነ ሰብ እዚ ኪፈልጥ ይኽእል እዩ” ኢሉ ከም ዚሓስብ ከኣ ገለጸ። ድሕሪኡ እቲ ካህን ርእይቶኡ ገለጸ፣ ክርስቶስ ኣብ ከባቢ 1844 ዓመተ ምሕረት ኪመጽእ እዩ ኢሉ ከም ዚሓስብ ድማ ተዛረበ። እዚ ሓቂ እዚ ኣብ መጽሔት ኣየርላንድ፣ 1821፣ ይርከብ።
GSAM 104መልእኽቲ ኣብ ኣመሪካ፣ ህንድን ኣህጉር ኤውሮጳን
GSAM 104.3ሙራንት ብሮክ ናይ እንግሊዝ፣ ኣብ ጽሑፋት ምጽኣት፣ ጥራዝ 2፣ ገጽ 135፣ 1844፣ ከምዚ ይብል፦
GSAM 105.1“ተበጃዊ ቀልጢፉ ኪምለስ ተስፋ ዚግበረሉን ድምጺ መጠንቀቕታ ዚስማዕን፣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ህንድን ኣህጉር ኤውሮጳን እውን እዩ። ኣብ ኣመሪካ፣ ኣስታት ሰለስተ ሚእቲ ኣገልገልቲ ቃል፣ በዚ ኸምዚ ‘እዚ ወንጌል መንግስቲ’ ይሰብኩ ኣለዉ፤ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ድማ፣ ካብ ቤተ ክርስቲያን እንግሊዝ ኣስታት ሸውዓተ ሚእቲ፣ እቲ ተመሳሳሊ ጭድርታ የስምዑ ኣለዉ።”
GSAM 105ናብ ነፍሲ ወከፍ ወደብ ባሕሪ ኣብ ምድሪ
GSAM 105.2ንኣዋጅ ትምህርቲ ምጽኣት ህይወቱ ዝወፈየ፣ ውፉይ ባፕቲስታዊ ኣገልጋሊ፣ ኢ. ኣር. ፒኒ፣ ናይ ሴኒካ ፎልስ፣ ኒው ዮርክ፣ ኣብቲ መግለጺ ማቴዎስ 24 ዚብል መጽሓፉ፣ ገጽ 8፣ 9፣ ከምዚ በለ፦
GSAM 105.3“ገና ብ1842፣ ጽሑፋት ዳግማይ ምጽኣት ናብ ነፍሲ ወከፍ መደበር ወንጌላዊ ተልእኾ ኣብ ኤውሮጳ፣ ኤስያ፣ ኣፍሪቃን ኣመሪካን፣ ኣብ ክልቲኡ ወገን እምባታት ሮኪ፣ ተላኢኾም ነበሩ።... ሓለቓታት መራኽብናን ባሕረኛታትን፣ እዚ ኣዋጅ ቅድሚኦም ዘይበጽሖ ወደብ ፈጺሙ ከም ዘይረኸቡ፣ ብዛዕባኡ ድማ ብተደጋጋሚ ከም ዚሕተቱ ይነግሩና።”
GSAM 105ሰለስተ ሽሕ ሰባት ነቲ መልእኽቲ ይእውጁ
GSAM 105.4ፓስተር ጂ. ዳብልዩ. ሚቸል፣ ናይ ዜይንስቪል፣ ኦሃዮ፣ ባዕሉ እውን ነቲ ትምህርቲ ዝኣወጀ ካልእ ኣገልጋሊ፣ ብ8 ነሓሰ 1894 ኣብ ኒዋርክ፣ ኦሃዮ፣ ምስ ጸሓፊ እዚ መጽሓፍ እናተዘራረበ፣ ሽማግለ ዊልያም ሚለር ኣብ መስከረም 1844፣ ኣብ ማኮነልስቪል፣ ኦሃዮ፣ ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፣ ከምዚ ኢሉ ከም ዝነገሮ ገለጸ፦ “‘ንኣምላኽ ፍርህዎ፣ ክብሪ እውን ሃብዎ፤ ከመይሲ ሰዓት ፍርዱ በጺሑ እዩ’ ኢሎም ዚእውጁ፣ ኣብ እተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዚርከቡ ሰለስተ ሽሕ ኣገልገልቲ ኣስማቶምን ኣድራሻኦምን ኣለኒ፤ መብዛሕትኦም ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን እዮም።”
GSAM 105.5ዊልያም ሚለር፣ ብዛዕባ ሰፊሕ ምዝርጋሕ እዚ “ጭድርታ” እዚ ኺዛረብ ከሎ፣ ከምዚ በለ፦
GSAM 105.6“ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወገን ዓለም፣ ሓደ ወይ ክልተ ሰባት ነቲ ወረ ኣዊጆምዎ ኣለዉ፣ ኲሎም ድማ ብዛዕባ እቲ ግዜ ይሰማምዑ። ዎልፍ ናይ ኤስያ፣ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ እንግሊዝ ዝነበረ ኢርቪንግ፣ ሜሰን ናይ ስኮትላንድ፣ ዴቪስ ናይ ደቡብ ካሮላይና፣ ከምኡውን ኣብዚ ከባቢ እዚ ሓያሎ ሰባት፣ ነቲ ጭድርታ የስምዑ ኣለዉ፣ ወይ ኣስሚዖም እዮም።”11
GSAM 106ናይ ሃቺንሰን ድምጺ ኤልያስ ናብ ኩሉ ተዘርግሐ
GSAM 106.1ሽማግለ ኣር. ሃቺንሰን፣ ብ1837፣ ከም ዌስልያዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ካብ እንግሊዝ ናብ ካናዳ ተላእከ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ሞንትሪያል ተቐመጠ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣዝዮም ብዙሓት ፈለጥቲ ነበርዎ። ብ1843ን 1844ን፣ ብዛዕባ ትምህርቲ ምጽኣት ዚገልጽ፣ ድምጺ ኤልያስ ዚብሃል ጋዜጣ ኣሕተመ። ናብ ወጻኢ ሃገራት ዚኸዳ መራኽብ ብቐሊሉ ስለ ዚረክብ፣ ዓበይቲ ጥቕላላት ጋዜጣታቱ ድማ ዋጋ ፖስታ ከይከፈለ ኪልእኽ ፍቓድ ስለ ዝነበሮ፣ ናብ ኲሉ ክፋላት ምድሪ ብብዝሒ ለኣኾም። ብዛዕባ ስርሑ፣ ናብ ኖቫ ስኮሻ፣ ኒው ብራንዝዊክ፣ ኒውፋውንድላንድ፣ እንግሊዝ፣ ኣየርላንድ፣ ስኮትላንድ፣ ዌልስ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ቁስጥንጥንያ፣ ሮማ፣ ከምኡውን ናብ ኲሉ ክፋላት መንግስቲ ብሪጣንያን ግዝኣታታን ብነጻ ከም ዝለኣኾም ተዛረበ።
GSAM 106ኣብ ደሴታት ሳንድዊች
GSAM 106.2ኣብ ጭድርታ ፍርቂ ለይቲ ናይ 12 ጥቅምቲ 1843፣ ካብ ወይዘሮ ኦ. ኤስ. በርነም፣ ናይ ካሎኣ፣ ደሴት ካዊ፣ ደሴታት ሳንድዊች፣ ዝመጸ ደብዳበ ነበረ። ንሳን በዓል ቤታን ኣብቲ ቦታ እቲ መምህራን ቤት ትምህርቲ ነበሩ። ትምህርቲ ምጽኣት ተቐቢሎም፣ ኣብኡ ድማ ይእውጁዎ ነበሩ፤ ኣብተን ደሴታት ሓደ ጉጅለ ኣመንቲ ምስኦም የምልኽ ነበረ።
GSAM 106እቲ መልእኽቲ ምስ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ይነጻጸር
GSAM 106.3በዚ ኸምዚ፣ ትምህርቲ ምጽኣት፣ ነቶም ብዛዕባኡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝተነግሩ ትንቢታት ንምፍጻም እኹል ብዝዀነ ስፍሓት ከም ዝተኣወጀ ንርኢ።
GSAM 106.4ነቲ ቀዳማይ ምጽኣት ክርስቶስ ኪእውጅ ዝነበሮ መልእኽቲ፣ ነብዪ ኢሳይያስ በዚ ቃላት እዚ ገለጾ፦ “ድምጺ ኣብ በረኻ ዚጭድር፣ መገዲ እግዚኣብሄር ኣዳልዉ፣ ኣብ ምድረ በዳ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። ኩሉ ለሰ ልዕል ኪብል፣ ኩሉ እምባን ኩርባን ድማ ትሕት ኪብል እዩ፤ እቲ ጠዋይ ኪቐንዕ፣ እቲ ዘይምዕሩይ ቦታ ድማ ጐልጐል ኪኸውን እዩ። ክብሪ እግዚኣብሄር ኪግለጽ እዩ፣ ኩሉ ስጋ እውን ብሓባር ኪርእዮ እዩ፤ ከመይሲ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ።”12 እዚ ትንቢት እዚ ብጻዕሪ “ዮሃንስ መጥምቕ፣ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ፣ ንስሓ እተዉ፣ ከመይሲ መንግስቲ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፣ እናበለ” ተፈጸመ።13
GSAM 107.1እዚ ሰብ እዚ፣ በይኑ፣ ኣብታ ሓንቲ ሃገር ይሁዳ፣ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ጻዕሪ፣ ነዚ ዜደንቕ ትንቢት ፈጸሞ። እዚ ትንቢት እዚ ንዕዮ ዮሃንስ ብግዜን ቦታን ዚድርት እኳ እንተዀነ፣ እቶም ምስ ኣዋጅ ዳግማይ ምጽኣት ዚተሓሓዙ ትንቢታት ግና ከምኡ ኣይኰኑን፤ ከመይሲ እቲ ዕዮ ብ“ዓብዪ ጭድርታ” ኪካየድ፣ ስፍሓቱ ድማ ንመላእ ዓለም ኪሽፍን ነበሮ።
GSAM 107.2በዚ ኸምዚ፣ ብብርሃን እቶም ዝቐረቡ ሓቅታት፣ እቲ ብዛዕባ መልእኽቲ ምጽኣት ዝተነግረ ትንቢት ክሳዕ ክንደይ ብልክዕ ከም ዝተፈጸመ ይርአ። ምሳሌ በለስ ኪምሃር፣ መልእኽቲ ቀዳማይ መልኣኽ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ኪእወጅ፣ እቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ በጽሐ። ንሱ ኸኣ ነቲ ጭድርታ ንዅሎም ኣህዛብን ህዝብታትን ቋንቋታትን ኬስምዑ፣ ልኡኻቱ ኣተንስአ።
Notes
- ማቴዎስ 24:32-35። ↩
- ሮሜ 10:14, 15። ↩
- ማቴዎስ 24:29, 30። ↩
- ማቴዎስ 24:29። ↩
- ማርቆስ 13:24። ↩
- «ታሪኽ ተሃድሶ»፣ መጽሓፍ 8፣ ምዕራፍ 1፣ ሕጡበ ጽሑፋት 2, 3። ↩
- ኣብቲ ዝተጠቕሰ መጽሓፍ፣ መጽሓፍ 12፣ ምዕራፍ 3፣ ሕጡበ ጽሑፍ 10። ↩
- ኣብቲ ዝተጠቕሰ መጽሓፍ፣ መጽሓፍ 18፣ ምዕራፍ 2፣ ሕጡበ ጽሑፍ 12። ↩
- ድምጺ ቤተ ክርስቲያን፣ ገጽ 343። ↩
- ተልእኾ ዎልፍ ናብ ቡኻራ። ↩
- ትምህርትታት ዊልያም ሚለር፣ ገጽ 238፣ 1843። ↩
- ኢሳይያስ 40:3-5። ↩
- ማቴዎስ 3:1፣ 2። ↩